Skip to main content

ዓለም ለኸ፡ ብምኽንያት ጎንፂ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝነብሩ ኣረጋውያን

መንግስታትን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ሰባት ብዘይ ኣገባብ ዝበጽሕ ምንግልታዕ ደው ንምባል፣ ሓለዋ ንምውሓስን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን ክሰርሑ ይግባእ።

(ኒውዮርክ) – ሂዩማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ዕጥቃዊ ጎንፂ ኣብ ዘለዎ እዋን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ንብዙሕ ዓይነት ናይ መሰል ጥሕሰት ይቃልዑ እዮም ክብል ይገልፅ። ኣብ ዕጥቃዊ ጎንፂ ዝሳተፉ ኩሎም ኣካላት ኣብ ኣረጋውያን ዝበፅሕ በደል ደው ንከብሉን ንዝተሸገሩውን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም ኩነታት ከመቻችዉ ይግባእ፡፡ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዕጥቃዊ ጎንፂ ብዕድመ ዝደፍኡ ሲቪላት ውሑስ ሓለዋ ክግበረሎም ከምዘድሊ ተገንዚቡ ክሰርሕ ኣለዎ ክብል ገሊጹ።

እቲ በዓል 48 ገፅ ናይ ሂዩማን ራይትስ ዎች ፀብፃብ ከምዘመላኽቶ እንተኾይኑ ‘’ዕጥቃዊ ጎንፂ ኣብ ዝካየደሉ ስፍራ ዝነብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን በደል ዘይፍጸሞ ሰብ የለን ‘’ከም ኣ.ኤ ካብ 2013 እስካብ 2021 ኣብ ቡርኪናፋሶማእከላይ ኣፍሪካ ሪፓብሊክኢትዮጵያ፣ እስራኤልን ኣብ ትሕቲኣ ዝርከቡ ግዝኣት ፍልስጢኤምን፣ ማሊሞዛምቢክናጎርኖ፡ካራባክኒጀርደቡብ ሱዳንሶሪያዩክሬንን ኣብ ኣረጋውያን ሰብኣዊ መሰል ዝጠሓሰለን ሃገራት ኮይነን ይጥቀሳ። እቲ ፀብፃብ ብተወሳኺ ኣብ ካሜሩን ኣብ ሞንጎ ዝርከቡ ክልተ እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ክልላት ዝተፈጠረ ናይ ነዊሕ እዋን ከቢድ ጎንፂ፣ ሓይልታት ፀጥታ ሚያንማር እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ራኪን ዝነብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ዓሌት ሮሂንጊያ ዝፈጸሙዎ ግፍዒን ብናይ ሶሪያ ውግእ ምኽኒያት እውን ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኣረጋውያን ስደተኛታት ተመኩሮ ዘካተት እዩ።

ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መሰል ኣረጋውያን ላዕለዋይ ተመራማሪት ዝኾነት ብሪጅት ስሊፕ ‘’ኣብ እዋን ውግእ ሽማግለታት መቕተልቲ፣ ኣገዲድካ ምዕማፅን መጭወይቲን ሓዊሱ ከቢድ በደል ይበጽሖም እዩ። ብምዃኑ ድማ መንግስታትን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣረጋዊያን ብፍሉይ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ከም ዝኾኑን ሓገዝ ከም ዘድሊዮምን ተገንዚቦም ሓለዋ ንምግባር ስጉምቲ ክወስዱ ልዑል ድሌት ኣሎ’’ ትብል።

ኣብ ዓለም ዝተፈጠሩ ጎንፂታት ኩሎም መንግስታውን መንግስታዊ ዘይኮኑን ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ንፁሃት ሰባት ጥቕዓትን ከቢድ በደልን ፈፂሞም እዮም። ካብዚኦም ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ብኢደ ወነንካ ምቕታል፣ ብዘይፍርዲ ምቕታል፣ ሕጊ ዘይተኸተለ ማእሰርቲ፣ ምስቓይ፣ ምጭዋይ፣ ምስዋርን ሓዊሱ ገዛውቶምን ንብረቶም ዝዓነዎም ይርከቡዎም። ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰላማዊ ሰባት ብንእሽተይን ከበድቲ ኣፅዋር ውግእ፣ ነታጒ፣ ብኬሚካልን ካልኦት ብሕጊ ዝተኸልከሉ ኣፅዋርን ተቐቲሎምን ቆሲሎምን እዮም። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣረጋውያን ካብ ጥቕዓት ንምህዳም ኣብ ዘይኽእልሉ እዋን ወይ ድማ ኣብ ቦትኦም ክፀንሑ እንተመሪፆም ንሓደጋ ይቃልዑ እዮም።

ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ብረት ዝተዓጠቑ እስላማዊ ጉጅለታት፣ መንግስታዊ ሓይሊታትን ናይ ጎሳ ዕጡቓትን ኣብ ዝገብሩዎ ጎንፂ ንዓበይቲ ዓዲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣረጋውያን ቐቲሎም እዮም። ከም ኣ.ኤ ጃንዋሪ 27፣ 2022 ሰራዊት ማሊ ዕድሚኦም ኣብ 80ታት ዝረከቡን ካልኦት 12 ሰባትን ኣብ ቶና ዝበሃል ናይ ማሊ ቁሸት ናይ ሞት መቕፃዕቲ ፈፂሞም እዮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ጾታዊ ዓመፅ ዝተፈፀማ ዕድሚኣ ኣብ 50ታት መወዳእታ እትርከብ ሰበይቲ መንግስቲ ኣብ ፌብሩዋሪ 2019 ኣብ ተፃባእቲ ሓይሊታት ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ሓደ ወታደር ዝዘመቶ ንብረት ክተቐምጠሉ ከምዘገደዳ፣ ብሽጉጥ ከምዝወቕዓን ደጋጊሙ እውን ጾታዊ ዓመፅ ኣብ ልዕሊኣ ከምዝፈጸመን ተዛሪባ እያ፡፡

ከም ኣ.ኤ ኣብ ዲሰምበር 2016 ን ኤፕሪል 2017 ኣብ ዘሎ ወቕቲ መንግስቲ ሶሪያ ነፈርቲ ውግእ ሳሪን ዝተብሃለ ኬሚካል ሓዊሱ ነርቭ ዝትንክፍ ኬሚካል ተጠቒሙ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ። ብቲ ኬሚካል መጥቃዕቲ ካብ ዝበጽሖም ሰባት ብዕመ ዝደፍኡ ወገናት ይርከቡዎም።

ኣብ እዋን ውግእ ብብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ናይ መንቅስቓስ ተኽእሎ ዘይብሎም ወይ ድማ ጉዱኣት ኣካል ዝኾኑ ኣረጋውያን ውግኣ ናብ ከባቢኦም እንትቐርብ ንምህዳም ናይ ካልኦት ደገፍ ስለዘይረኽቡ ንድሕሪት እዮም ዝተርፉ። ከም ኣ.ኤ ኣብ 2017 ካብ ሚያንማር ብኣሰገዳድ ዝተባረሩ ዓሌት ሮሂንጊያ ንቶም ክሃድሙ ዘይከኣሉ ኣረጋዊያን ሓይሊታት ጸጥታ ናብቶም ዝተቓጸሉ ገዛውቲ እናደፍኡ ከምዘእተዉዎም ተገሊጹ እዩ። ‘’ ኣኩኡ ንበዓል ገዛይ ናብ ሓዊ እናደፍኡ ከእትዉዎ እንከለዉ ሪአ እየ፡ ናብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ገዛ እናደፍኡዎ ሪኤ’’ ክትብል ሓንቲ ሰበይቲ ትዛረብ፡፡ ‘’ደኹም እዩ፡ ምናልባትውን ዕድሚኡ ሰማኒያ ይኸውን፡ ኩሉ ሰብ ክኸደሎም ደሊዮም ንቶም ምኽያድ ዘይካኣሉ ግና ንኹሎም ናብ ሓዊ ኣእቲዮምዎም’’ ክትብል ገሊፃ፡፡

ካልኦት ኣረጋውያን እውን ንብረቶም ንምሕላው ክብሉ ገዛውቶም ገዲፎም ክሃድሙ ኣይመረጹን። ከም ኣ.ኤ ኣብ 2020 ኣብ ውሽጢ ኣዘርባጃን ኣብ ናጎርና፡ካራባክ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ጎንፂ ኣብዝሓ መንእሰይ ተሰዲዱ እዩ። ውሑዳት ተዘይኮይኑ እቶም ዝተረፉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ጥራይ እዮም ነይሮም። ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ንኣብነት ኣብ ክልል ዕድመ 70ታት ዝርከባ ኣሬጋ ዝተብሃላ ሰበይቲ ምስ ኤድዋርድ ዝበሃሉ ሰብኣየን ንብረቶም ክሕሉዉ ክብሉ ኣብ ቁሸቶም ተሪፎም እዮም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወታሃደራት ኣዘርባጃን ንቶም ሰብኣይን ሰበይቲን ኣብ ገዝኦም ረኺቦም ኣሲሮምዎም፣ መጀመርታ ብዘይ ምግብን ማይን ኣብቶም ሰብ ገዲፉዎም ዝሃደመ ገዛውቲ ኣሲሮምዎም፣ ፀኒሖም ድማ ኣብ ዋና ከተማ ኣዘርባጃን ዝኾነት ባኩ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶምዎም። እቶም ሰበ ስልጣን ኣሬጋ ንዝነበራ ብዝሒ ደም ዝኸውን መድሓኒት ከይትረክብ ከልኪሎምዋ እዮም። ኤድዋርድ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንዳሃለወ ሂወቱ ሓሊፉ፡፡ ምስ ሞተ ብዙሕ እንተይፀንሐ ናይ በዓል ገዝኣ ገፅ ክትሪኦ እንከላ ፀሊምን ሰማያዊን ሕብሪ ከምዝተቐየረ ትገልፅ።

እቶም ዝተፈናቐሉ ኣረጋውያን ካብቲ ዝወረዶም ምንግልታዕ ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረኽቡ ዕንቅፋት ክበጽሖም እዩ ዝርአ፡፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ኣ.ኤ ብ 2017 ሓደ ወዲ 70 ዓመት ዓይነ ስዉር ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ዝተፈናቐሎ ደሴት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክብ ከምዘይክኣለ ተዛሪቡ። ‘’ሓደ ሓደ ትካላት ንኣረጋውያን ሓገዝ ንምሃብ ሽም መዝጊቦም እዮም። ናብዚ ደሴት ስለዘይመፅኡ ግና ኣነ ኣይተመዝገብኩን። ኣብዚ ደሴት ናይ ጥዕና ትካል ዝበሃል የለን። ሓገዝ ሕክምና ንምርካብ ናብ ካሊእ ደሴት ወይ ድማ ናብ ማእኸል ሃገር ክትከይድ ትግደድ’’ ክብል ይገልፅ።

ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት፣ ናይ ኲናት ሕጊ፣ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ጎንፂታት ብዕድመ ዝደፍኡ ሲቪላት ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰሎም ኣፍልጦ ይህብ እዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ካልኦትን ካብ ከባቢ ወታሃደራዊ ዒላማታት ብዝተኣማምን ኩነታት ክረሕቑ ምግባርን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰላማዊ ዜጋታትውን ዕድሚኦም ዘገናዘብ ምችው መዕረፊ ክዳለዎሎም ትፅቢት ይግበር። ኣረጋዊያን ኣብ ዝኾነ እዋን ብቲ ዝተቐመጠ ሰብኣዊ ሕጊ ሓለዋ ክግብረሎም ይግባእ።

‘’ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ናይ ሰላም መኽበሪ ተልእኾ ዘለዎምን ከምእዉን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ ኣካላት ኣብ ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኩሉ ናይ ኣረጋውያን ድሕንነትን፣ ሓለዋን ፍሉይ ድሌታትን ዘካተተ ምዃኑ ምርግጋፅ  ይግባእ’’ ክትብል ስሊፕ ትዛረብ፡፡ ‘’ኣረጋውያን ዝግብኦም ፍሉይ ሓለዋ ብምግንዛብ፣ ግዳይ ውግእ ወይከኣ ጎንፂ ከይኾኑ ምስራሕ ይግባእ’’ ብልት፡፡

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.