Skip to main content

ኢትዮጵያ፦ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣንፃር ሰብኣዊነት ዝተፈጸመ ገበን

ብዘይ ውዓል ሕደር ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ፣ ድሕንነት ማሕበረሰብ ምርግጋፅ ቁልፊ ጉዳያት እዮም

ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ኩናት ዝሃደሙ አትዮጵያውያን ስደተኛታት ብኣውቶቡስ ገይሮም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰደተኛታት ዑም ራኩባ ኣብ 11 ታሕሳስ 2020 ኣቲዮም። © 2020 ያሱዮሺ ቺባ ብ AFP

(ናይሮቢ ): ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ሓይልታት ፀጥታን ሰበ ስልጣን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ብደረጃ ገበናት ኲናትን ኣብ ሰብኣዊነት ዝፍጸሙ ገበናትን ዝረኣዩ ምግሃስ መሰላት ብስፍሓት ከምዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን (AI) ሂየማዩ ራይትስ ዎችን (HRW) ሎሚ ኣብ ዘውፅኡዎ ሓዱሽ ፀብፃብ ገሊፆም። ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ናፃ መርመርቲ ኣካላት ከይኣትዉ ኣብቲ ከባቢ ክልከላታት ብምቕማጦም ናይ’ቲ መንግስቲ ወፍሪ ምጽራይ ዓሌት ብኣውርኡ ብሕቡእ ክፍፀም ጸኒሑ እዩ።

‘’ካብ’ ምድሪ ክነጥፍአኩም ኢና’’ ኣብ ዞባ  ምዕራብ ትግራይ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ምፅራይ ዘርእን ዘርእስቱ እዚ ጸብፃብ እቶም ኣብቲ ዞባ ዝተሾሙ ሓደሽቲ ሰበ ስልጣንን ሓይልታት ፀጥታ ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ብኣፍልጦ ምናልባት እውን ብተሳታፍነት ሓይሊታት ፌደራል መንስግቲ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ተጋሩ ብምፍርራሕ፣ ብምቕታል፣ ብጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ዘይሕጋዊ ጅምላዊ ማማእሰርቲ፣ ብምርሳይ፣ ኣገዲድካ ምዝውዋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረኽቡ ብምኽልካልን ካብ መረበቶም ክባረር ከምተገበሩ ዝገልጽ ሰነድ እዩ። እዞም ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ትግራይ  ዝተፈጸሙ ሰፋሕትን ስልታውን  መጥቃዕትታት ኣብ ሰብኣዊነት ዝተፈጸሙ ገበናትን፣ ገበናት ዂናትን እዮም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኬኔት ሮት ‘’ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ሰበ ስልጣንን ሓይልታት ጸጥታን ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ንምጽራይ ዘይተኣደነ ወፍሪ ብምክያድ መንበሪ ገዛውቶም ገዲፎም ክሃድሙ ኣገዲዶምዎም እዮም’’ ይብሉ። ሰበ ስልጣን እትዮጵያ ግን ንመጠን እዞም ኣዚዮም ዘሰምብዱ ገበናት ብፅኑዕ ብምኽሓድ ንቲ ሽግር ክፈትሑዎ ኣይከኣሉን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ኣካላት ብዘይ ወዓል ሕደርን ቀፃልነት ብዘለዎን ኣገባብ ናብቲ ክልል ዝኣትዉሉ ኩነታት ውሑስ ክገብር፣ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተኣሰሩ ኩሎም ክፈትሕ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም በደል ዝፈጸሙ ግቡእ ምርመራ ብምግባር ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ። ኣብዚ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኣካላት ዝገብሩዎ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ዓለምለኸ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ናብ ምዕራብ ትግራይ ብምውፋር ንኹሎም ማሕበረሰባት ካብ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ስራሕ ከጠቓልል ይግባእ።

ዋና ፀሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ ‘’ዓለምለኻውን ዞባውን ኣጋራት ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ ክብደት ናይቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እናተፈጸመ ዝርከብ ገበን ከንፀባርቕ ኣይከኣለን’’ ይብላ። ‘’እዚ ጉዳይ ዘተሓሳስቦም መንግስታት ኩሎም ንዚ ዝካየድ ዘሎ ምፅራይ ዘርኢ ጠጠው ኣብ ምባልን ተወለድቲ ትግራይ ብፍቓዶም ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ውሕስነት ኣብ ምሃብን ክሕግዙ ከምኡ’ውን   ኣብ’ቶም ዝተፈጸሙ ኣሰቀቕቲ ገበናት ፍትሒ ክርከብ ዝተዋደደ ፃዕሪ ክገብሩ ኣለውም።’’

ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከብ ልሙዕ መሬት እዩ። ምዕራብ ትግራይ ኣመልኪቱ ዘሎ ሕቶ ይግባኣኒ ካብ 1992 ኣ.ኣ ንነዘ ምንጪ ምስሕሓብ ወሰንን መንነትን ኮይኑ ይርከብ። ምዕራብ ትግራይ እቲ ኲናት ብሕዳር 2020 ምስተጀመረ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን እዩ ነይሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካብ ኣምሓራ ክልል ዝመጽኡ ዕጡቓት መላፍንቶምን ሚሊሻታትን ዝወዓለ።

ኣብ ፈላማይ ብርኪ እቲ መጥቃዕቲ ፌዴራል ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶም ዝኾኑ ሓይሊታትን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ገበናት ዂናት ፈፂሞም እዮም። እዚ ድማ ንከተማታት ብኣልማሚት ምድብዳብን ብዝይ ፍርዲ ምቕታልን ዘጠቓልል ኰይኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ጎረቤት ሱዳን ክስደዱን ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ክሃድሙን ገይሩ እዩ። ምልሻታት ትግራይን ነበርቲ እቲ ከባብን ኣብ 9 ሕዳር ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ዝዀኑ ተወለድቲ ኣምሓራን ካብ ካልኦት ከባብታት ዝመፁ ማዓልታዊ ሰራሕተኛታትን ገበን ዂናት ፈጺሞም እዮም። እዚ መጥቃዕቲ ኣብቲ ጎንፂ ንመጀመርታ ግዜ ንህዝቢ ብዕሊ ዝተገለፀ  መጠነ ሰፊሕ ጨፍጫፍ እዩ።

ኣብቶም ቀፂሎም ዝነበሩ ኣዋርሕ እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመደቡ ሓደሽቲ ሰበ ስልጣንን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ናይቲ ኸባቢ ተወለድቲ ትግራይ ወፍሪ ዘርኢ ምጽራይ ተግባር ፈፂሞም እዮም።

ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ንዝኸውን እዋን ተመራመርቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂየማን ራይትስ ዎችን ን400 ዝኾኑ ሰባት ቃለ መሕትት ገይሮም እዮም። እዙይ ምስ’ቶም ኣብ ሱዳን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ተጋሩ ብኣካል ዝተገበረ ቃለመጠይቕን ኣብ ምዕራብ ትግራይን ኣብ ክልል ኣምሓራን ምስ ዝነብሩ ግዳይ ዝኾኑ ወይ ድማ ምስክርነት ዝህቡ ሰባት ብርሕቐት ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ይሓውስ። እቲ መፅናዕቲ ፀብፃባት ሰብ  ሙያ ሕክምናን ፎረስንሲክን፣ ሰነዳት ቤት ፍርዲ፣ ከበድቲ ግፍዕታት ዘረጋግፁ ምስልታት ሳታላይት፣ ኣሳእልን ቪዲዮታትን ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም።

ወፍሪ ምጽራይ ዘርኢ (Ethnic cleansing)

ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራ፣ ሚሊሻታትን ሓደሽቲ ሹመኛታትን ብሓባር ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሮም ኣብ መንነት ዘተኮረ ዝተዋደደ ወፍሪ ምጽራይ ዘርኢ  ኣካይዶም እዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምዕራብ ትግራይ ተወለድቲ ትግራይ ለቒቕኩም ውጽኡ ዝብሉ ምልክታታት ተራእዮም እዮም። ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ እውን ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት ብዛዕባ ንተጋሩ ካብቲ ዞባ ምብራር ብቕሉዕ የውግዑ ነይሮም። ሓንቲ ኣብ ባዕከር ነባሪ ዝኾነት ትግራወይቲ ፋኖ ብዝተብሃሉ ናይ ኣምሓራ ዕጥቓት ምፍርራሕ ከምዝበጽሓ ተዛሪባ። ‘’ምሸት ምሸት ‘ክንቀትለኩም ኢና ካብዚ ኸባቢ ውጽኡ’ እናበሉ ይዛረቡ ነይሮም’’። ኣብ 24 ሰዓታት ወይ ድማ ኣብ 72 ሰዓታት ለቒቖም ክወፅኡ እንተዘየለ ከምዝቐትልዎም መጠንቀቕታ ዝሓዙ በረርቲ ወረቓቕቲ ይብተኑ ነይሮም።

እቶም ሰበ ስልጣን ብኣሽሓት ዝቑጽሩ ተወለድቲ ትግራይ ብጅምላ ብምሕፋስ ኣብ ዝተጨናነቑ መዳጎኒ ቦታታት ንነዊሕ እዋን ክንገላትዑ ገይሮም እዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ሎምውን ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብዝኾነ ኩነታት ከምዝርከቡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂውማን ራይትስ ዎችን ይኣምኑ።

ሓይሊታት ፀጥታ ብቃላትን ኣካላዊ መጥቃዕትን ዝተዓጀበ ብጉጅለ ኣገዲድካ ምድፋ፣ ጠለፋን ፆታዊ ባርነትን ፈፂሞም እዮም። ሓንቲ ጓል 27 ዓመት ትግራወይቲ ሰበይቲ ሓደ ኣባል ሚሊሻ ክደፍራ እንከሎ ''ኣንቱም ተጋሩ ካብ ሩባ ተከዘ ንምዕራብ ካብ መሬት ክትጠፍኡ ኣለኩም። ክፉኣት ስለዝኾንኩም ደምኩም ነፅሪዮ ኣለና’’ ከምዝበላ ትዛረብ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ሰበ ስልጣን ተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ዞባ ተገዲዶም ክወፁ ምእንታን ብናፃ ከይንቀሳቐሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረኽቡ፣ ብትግርኛ ከይዛረቡን ናይ ሕርሻ መሬት ከይውንኑን እገዳታት ገይሮምሎም እዮም። ሓይሊታት ፀጥታ ኣምሓራን ኣብ ገለገለ ቦታታትውን ኣብ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ሰራዊት ኤርትራ እኽሊ፣ እንስሳ ዘቤትን ናውትን ብምዝራፍ ንተጋሩ መናበሪኦም ኣስኢኖም ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይሮም እዮም። ኣብ መንደር ዲቪዥን ነባሪ ዝነበሩ ወዲ 63 ዓመት ሽማግለ ተጎጂሎም ዝመጽኡ ሰባት ገዝኦም እናፍረሱዎ ከምዝራኣዩ ይምስክሩ። ካብቶ ዘፍረሱዎ ሓደ ‘’እዚ ናትካ መሬት ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ዝግብአካ ነገር የብልካን ኢሉኒ’’ ይብሉ።

ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ንጥሜትን ምፍርራሕን ስለዝተቓልዑ ካብቲ ዞባ ካብ ምውፃእ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ከምዘይብሎም እዩ ተሰሚዕዎም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ንምብራር ናይ ፅዕነት መኻይን ወይ ከኣ ኣውቶቡሳት ብምቕራብ ናብ ምብራቕ ገፅ ናብ ማእኸል ትግራይ ክግዕዙ ገይሮም።

ከምዚ ዓይነት ዝተዋደደ ወፍሪ ንኣዋርሕ ቀፂሉ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣ.ኣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ሃዲሞም ወይ ድማ ተባሪሮም እዮም። ኣብ ሕዳር 2021 እውን እቲ ግፍዒን ምፍንቓልን ገዲዱዎ ስለ ዝቐጸለ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሽማግለታት፣ ብሕማም ዝተጠቕዑ፣ ንኡሳት ኣዴታትን ህፃውንትን እንትባረሩ ሓይሊታት ኣምሓራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ ኣሲሮም እዮም። ክሃድሙ ዝፈተኑውን ብጥይት ቐቲሎምዎም እዮም።

ጨፍጫፍ ኣብ ድልድል ሩባ ተከዘ

17 ጥሪ 2021 ኣ.ኣ ፋኖ ዝተብሃሉ ዕጡቓት ሚሊሻታት ኣምሓራን ናይቲ ኸባቢ ነበርትን ብዓሰርተታት ንዝቑጸሩ ደቅ ተባዕትዮ ተወለድቲ ትግራይ ብምሕፋስ ኣብ ከተማ ዓዲ ጎሹ ኣኪቦም ኣሲሮምዎም።

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ 60 ተጋሩ ናብ ድልድል ሩባ ተከዘ ብምውሳድ ብጅምላ ረሺኖምዎም እዮም። ብሂወት ዝተረፉ መሰኻኽር ከምዝብሉዎ እንተኾይኑ እቲ መቕተልቲ ዝተፈጸመ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ቅድሚ እታ ዕለት ንሳ ምስ ሓይሊታት ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ውግእ ከቢድ ስዕረትን ኪሳራታትን ስለዘጋጠሞ ሕነ ንምፍዳይ እዩ ይብሉ።

‘’ጥይት ምስ ተኮሱልና መጀመርታ ወዲቐ፣ ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚተይ ዝነበሩ ካልኦት ብጥይት ተወቒዖም ክወድቁ ሪኤዮም’’ ክብሉ ብሂወት ዝተረፉ ወዲ 74 ዓመት ሽማግለ ተዛሪቦም። ‘’ብድሕሪተይ ዝተረሸኑ ኣብ ልዕለይ ወዲቖም ሸፊኖምኒ።’’ ብድሕሪኡ ‘’ተጋሩ ብቐሊሉ ስለዘይሞቱ ደጊምካ ተኩስ’’ ክብሉ ሰሚዐዮም።

ብዚ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ምኽንያት ኣዚዩ በዝሒ ዘለዎ ትግራዋይ ካብ ዓዲ ጎሹ ክፈንቐል ተገዲዱ እዩ።

ሞት ኣብ መዳጎኒ ንቑጣታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብፍሉይ ሓይሊታት ኣምሓራን ፋኖ ሚሊሻን ዝመሓደሩ ኣብ ዝነበሩ መዳጎኒ ቦታታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ከምዝሞቱ ቅድም ክብል ተኣሲሮም ዝነበሩ ይዛረቡ። ሓደ ሓዲኦም ብዝበጽሖም ስቓይ፣ ሕክምና ስለዝተኸልከሉን ብምኽንያት ሕፅረት ምግቢን ማይን ሂወቶም ክሓልፍ ኪኢሉ እዩ። ብዋርዲያታትውን ዝቐተሉ ኣለዉ። ወዲ 72 ዓመት ሓረስታይ ‘’ንሶም (ናይ ኣምሓራ ሚሊሻ) ተጋሩ ብጥምየት ክሞቱ እዩ ዝግብኦም ’’ ብምባል ከተደጋጋሚ ይዛረቡ ነይሮም።

ሰበ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ናይ ክሕደት መልሲ ሂቦም እዮም። ኣብ 25 ለካቲት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩየማ ራይትስ ዎችን ብዛዕባ እቲ ዝረኽቡዎ መረዳእታት ዝምልከት ናብ ፌደራል መንግስቲ፣ ናብ ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራን ክልል ትግራይን ደብዳቤ ብምፅሓፍ ኣፍሊጦምዎም እዮም። ይኹን እምበር እዚ ፀብፃብ ኣብ ዝተፅሓፈሉ እዋን መልሲ ዝሃቡ ሰበ ስልጣን ኣምሓራ ክልል ጥራይ እዮም።

ኣብ እዋን ውግእ ኩሎም ወገናት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነትን ሕግታት ውግእን ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎም። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ጠጠው ዝበሉ ሓይሊታት ክልል ኣምሓራ ገበን ዂናት፣ መቕተልቲ፣ ምስቓይ፣ ኣገዲድካ ምድፋር፣ ምፍንቓልን ኣገዲድካ ምስዋርን ዝኣመሰሉ ገበናት ፈፂሞም እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ጥሕሰታት ብፖሊሲን ብዝተዋደደ ውዳበን ኮነ ኢልካ ኣብ ሲቪላት ኣብ ተግባር ዝወዓሉን መጥቃዕትታት ብምዃኖም ኣብ ደቂ ሰባት ዝተፈጸሙ ገበናት ገይርካ ይውሰዱ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸን ዞባዊ ኣጋራቶምን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኩሎም ማሕበረሰባት ድሕንነቶም ንክሕሎ ምእንታን ጭቡጥ ስጉምቲታት ክወስዱ ኣለዎም። ስለዝኾነ’ውን ብግፍዒ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ብህፁፅ ብምፍታሕ ሓለዋን ክትትልን ክግበረሎም ይግባእ። ኣብ መጋቢት 24 ኣ.ኣ ፌደራል መንግስቲ ንሰብኣዊነት ክበሃል ተፃብኦ ወይ’ውን ተኹሲ ጠጠው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ተኹሲ ጠጠው ምባል ብዘየገድስ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስታትን ዘይተገደበ፣ ገለልተኛን ዘየቋርፅን ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ክፈቕዱ ይግባእ።

ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣብ ሲቪላት በደል ዝፍጽሙ ሚሊሻታት ብሙሉኦም ዕጥቆም ብምፍታሕ ከሰናብት ይግባእ። ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ከበድቲ ገበናትን በደላትን ከምዝፈጸሙ ዝጥርጠሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን እውን ኣፃርዩ ካብቲ ቦታ ክወጽኡን ምርመራውን ክግበረሎም ይግባእ ኢሎም ይኣምኑ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን።

ኣብ ሞንጎ ተፃባእቲ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕን ድሕንነት ሲቪል ህዝቢ ብዘተኣማምን መገዲ ናይ ምውሓስ ተልእኾ ዘለዎን ዓለምለኸ ኣኽባሪ ሰላም ናብ ምዕራብ ትግራይ ምእታው  ክሓውስ ይግባእ። እዙይ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቕራብን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ ስግኣት ናይ ዝነብሩ ማሕብረሰባት ድሕንነት ንምሕላውን ወሳኒ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኣጋራት ዝኾኑ ኩሎም ዓለምለኸን ኣህጉራዊን ኣካላትውን ነዚ መፀዋዕታ ክድግፉዎ ይግባእ።

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country