Skip to main content

ኤርትራውያን ኣባላት ተቓውሞን ጋዜጠኛታትን ን15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር

መሻርኽቲ፡ ቅድሚ ናይ ውድብ ሕቡራት ዘተ ምክያዱ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ክጽዕራ ይግባእ። ብፍሊክስ ሆርነ

እዛ ሰሙን እዚኣ፡ እቶም ኤርትራውያን ኣባላት ተቓውሞ ዝዀኑ ፖለቲከኛታትን ብሕታውያን ጋዜጠኛታትን ናጽነት ካብ ዘየስተማቕሩ 15 ዓመታት ዘሕልፉላ ዘለዉ ሰሙን ምዃና እያ። ኣብ መስከረም 2001፡ ኣባላት ጽጥታ መንግስቲ 11 መንግስታውያን ሓለፍትን 10 ጋዜጠኛታትን ብዙሓት ተቓወምትን ኣሲሮም። እዚኦም ኵሎም ድማ ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም፡ ንሱ ድማ ኵሎም ንምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝነቐፉ ምዃኖም እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ካብዚኣቶም ወላ ሓደ ሃለዋቱ ዝተፈልጠ የብሎምን።

ካብዞም ኵሎም እሱራት ወላ ሓደ እኳ ብገበን ብወግዒ ዝተኸሰሰ የብሎምን። ስለዚ፡ እዚኣቶም ን15 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ቀይዲ ይርከቡ። ዝዀነ ኣባል ቤተሰቦም በጺሕዎም ኣይፈልጥን። ነጻ ንምልቃቖም ዝምልከት ኩሉ ናይ ወጻኢ ጻውዒታት እዝኒ ኣይተዋህቦን። ብመሰረት ካብ ኣብ እስርቤታት ከም ኣባላት ሓለዋ ዝሰርሑ ዝነብሩ ሰባት ዘውጽእዎ ሓበሬታ፡ ሓያሎ ካብዞም እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሟቶም ይሕበር። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ንስድራቤትን ፈተውትን እሱራት ተስፋ ዝሃበ ሓበሬታ ኣብ ረድዮ ፈረንሳ ኢንተርሽናል ሂቡ" "ብሂወት ኣለው" ድማ ኢሉ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ብሕሱም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እተፈልጠት ሃገር እያ። እዛ ሃገር እዚኣ፡ ዝዀነ ንጡፍ ባይቶ ይዅን ተቓወምቲ ፓርትታት ይዅን ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ዘይብላ ሃገር ኢያ። እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ንሰራዊትን መንግስታዊ ትካላትን ዝወሃብ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ፡ ወላኳ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ተባሂሉ እንተነበረ፡ ብክውኑነት ግና ካብኡ ንዝነውሐ እዋናት ክሳብ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብሕማቕ ኣተኣላልያን ዳርጋ ብዘይክፍሊትን እዩ ዝቕጽል ዘሎ፡፡ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፤ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምልጡ ዝፍትኑ ዜጋታት ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ስቓይ ከምዝወርዶም እዮም ዝሕብሩ። ሕጊ ኣልቦነት ዝነገሶን፡ ንኤርትራውያን ይኹን ንወጻእተኛታት ካብን ናብን ክፋላት ኤርትራ ንኸይንቀሳቐሱ ዝግበረሎም እገዳታት ገና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ ዓመታዊ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምድላይ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኤውሮጳን ይውሕዙ ኣለዉ።

ኣብ ሰነ 2016፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ምጽራይ ኮምሽን፡ ናይ ስርዓት ኤርትራ ዝፍጽሞም ዘሎ ገበናት ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ገምጊሙ። እቲ ናይዚ ናይ ምጽራይ ኮምሽን ጸብጻብ፡ ኣብ ባይቶ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ንምርካብ ብዕለት 27 ጥቅምቲ ክቐርብ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሐ ናይ ተነጽሎ ኣካይዳ ብምጥሓስ፡ ምስ ኤርትራ ናይ ዘተን ሽርክነትን መደባት ሒዘን ክካይዳ ጸኒሐን ኣለዋ።

እምበኣር ኣብዛ ቅንያት ዝኽሪ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሓደስቲ መሓዙት ኤርትራን ኵነታት ብዛዕባ እዞም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ እሱራት ሓበሬታ ንምርካብ ክደፍኣሉ ይግባእ። ብሕይወቶም ኣለዉ እንድሕር ኰይኖም፣ ብግቡእ ብፍትሓዊ ኣገባብ ተኸሲሶም ክፍረዱን ወይ'ውን ነጻ ክልቀቑን ይግባእ።

ንስድራቤት እሱራት ኵነታት እሱራቶም ክፈልጥሉ ዝግባእ ግዜ ካብ ዝሓልፍ ነዊሕ ኰይኑ እዩ። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ድማ እዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳድ ምልክት ቅሩብነት ምጅማርን ምትእትታውን እቲ ብኣፍ ዝበልዎ ግና ኣብ ግብሪ ዘየውዓልዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ለውጢ ዝድርኽ ምዀነ ነይሩ። እዚ ምልክት እዚ ድማ ቅድሚ ዘተ ባይቶ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተዝግበር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዀነ።

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country