Skip to main content

Ethiopia

Events of 2023

28 ዓመት ዝዕድሚኣ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ትግራይ፣ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኣዋልድ ግብረ ሰናይ ኣብ ዝሳለጥ ማዕኸል ስልጠና ምኽሻን ምግቢ ብኣቆፃፅራ ኤዉሮፓ 2 ሕዳር 2023 ዝተልዓለቶ ፎቶ።

© ኣርሌት ባሺዚ ብ ጌትይ ኢሜጅስ ኣቢሉ ን ዋሺንግትን ፖስት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዘተሓሳስብ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ናይ መንግስቲ ሓይሊታት ጸጥታ፣ ሚሊሻታትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ዕጡቓት ጉጅለታትን ንቲ ኮነ ኢሎም ንዝፍጽሙዎ ጥቕዓታት ብዘይ ተሓታትነት ምቕፃል ልሙድ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን ዝተፈጠረ ጎንጺ ተጋዲዱ ምኽንያት ሞትን ምጉዳል ኣካልን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ንጹሃት ዜጋታት፣ ዕንወት መሠረተ ልምዓትን ምፍንቓልን ኮይኑ ኣሎ። ከም ግብረመልሲ ድማ መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ስፍሕ ዝበለ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን የውጽአ እምበር ብግብሪ ግና እቲ ዝወጽአ ኣዋጅ ኣብ ሙሉእ ሃገር ተፈፃሚ ኮይኑ ይርከብ።

ብኣቆፃፅራ ኤሮፓ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ቐንዲ ተዋጋእቲ ዝኾኑ ክልተ ኣካላት፣ ማለትውን ፌደራል መንግስቲን ሰበስልጣን ትግራይን ስምምዕ ምቁራፅ ኲናት ሕድሕድ ምስ ተኸተመ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ውግእ የለን። ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝፍጸሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት መሰላት ወዲሰብ ዓመት ሙሉእ ቀፂሎም ኣለዉ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባታት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ጥሕሰታት ቀፂሎም ይርከቡ።

እስካብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ጎንፂ ምኽንያት 2.9 ሚሊዮን ህዝቢ  ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓድን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት 141,000 ስደተኛታትን ዑቑባ ዝሓተቱን ከምዘለዉ ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት (UNHCR) ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛታት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረ ሰብን ብቕሉዕ ዝዛረቡ ፍሉጣት ሰባትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናገደደ ዝመፀ ተፃብኦን ንምስራሕ ዘይጥዕም ዓፋናይ ኩነታት ኣጋጢሙዎም እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ተመሳሳሊ ፆታ፣ ድርብ ፆታን ተሻጋሪ ፆታን ርክብ ፍቕሪ ዘለዎም ሰባት ብኣካልን ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሉን ግህሰታት በፂሑዎም ኣሎ። ንቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተዘርገሐ ሰፊሕ ፀብፃብ ስዒቡ ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ግብረ ሰዶማዊ ንጥፈታት ይካየደሎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሆቴላትን ካልኦት ትካላት ንግድን ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓርሰ ፍቓደኝነት ዝተመስረተ ርክብ ተመሳሳሊ ፆታ በሕጊ ዝተኸልከለ እንትዀን ብ 15 ዓመት ማእሰርቲ የቕጽዕ። 

ኣብ እዋን ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ሓዊሱ ኣብ ሕሉፍ ይኩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝግበሩ  ጥሕሰታት ተሓታትነት ኣብ ምዉሓስ መንግስቲ ዝገብሮ ፃዕሪ ብቑዕ ኣብ ርእሲ ዘይምንባሩ ግልፅነትን ዘይሻራዊ ቁጽጽር ዝጎዶሎን እዩ ነይሩ።

ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ

ብኣቆፃፅራ ኤሮፓ ኣብ ሕዳር 2022 ስምምዕ ደው ምባል ኲናት ምስ ተኸተመ እውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀፂሉ እዩ።

እቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ተፈሪሙ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ እውን እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝዞም ከባብታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስቲዮን ህፃናትን ትግራይ ንጾታዊ ባርነት ሓውሱ ምግሳስን ፆታዊ መጥቃዕትን፣ ከምኡ’ዉን ዘይፍርዳዊ መቕተልቲን ማዕገትቲ ሰባትን ከምኡ እውን ኣብ ዝትቆፃፀሩዎም ከባብታት ዘረፋ ንብረት ሲቪላት ፈጺሞም እዮም። ኣብ ወርሒ ጉንበት ሓይሊታት ኤርትራ ኣገዲድካ ምድፋር፣ ዘረፋን ምዕናዉን ንብረት ቐጺሎም ኣብ ዝተብሃሉሎም ክልተ ቁሸታት ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተልእኾ ዘለዎም ኣካላት ከይኣትዉ ከልኪሎም  እዮም። ኣብቲ ዝተጠቐሰ ወርሒ ሓይሊታት ኤርትራ ንቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ተጣይሱ ትግበራ ውዕል ሰላም ክከታተል ዝመጽአ ልኡኽ እዉን ተንቀሳቒሱ ስርሑ ከይፍጽም ከም ዘተዓናቐፉ ተሓብሩ እዩ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ሰበ ስልጣን፣ ሓይሊታት ክልል ኣምሓራን “ፋኖ” ዝበሃሉ ዕጡቓት ሓይሊታትን ዓሌት ናይ ምጽራይ ወፍሮም ዝቐጸሉ እንትኾኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ከምኡ’ዉን ኣብ ጥሪ 2023 ንተወለድቲ ትግራይ ኣገዲዶም ኣፈናቂሎምን ኣባርሮምን እዮም ። ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍጸም ማእሰርቲን ምፍንቓልን ኣመልኪቱ ዝቐርብ ፀብፃባት እስካብ ነሓሰ ቀፂሎም እዮም። 

ሓገዝ እኽሊ ኣብ ዕዳጋ እናተሸጠ እዩ ዝብሉ ፀብፃባት ድሕሪ ምወፅኦም ዓለምለኸ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት መንግስታትን (WFP) ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ሕቡራት ኣሜሪካን (USAID) ኣብ ወርሒ መጋቢት ንትግራይ ዝህቡዎ ዝነበሩ ሓገዝ ምግቢ ደው ኣቢሎም ። እዞም ትካላት ብዝገበርዎ ምፅራይ ፌደራላውን ክልላውን ኣካላት መንግስቲ ንሓገዝ ዝመፅአ እኽሊ “ብመጠነ ሰፊሕን ብዝተዋደደን መገዲ” ንኻሊእ ዕላማ ብምውዓሎም እዞም ትካላት ኣብ ወርሒ ሰነ እቲ ኽልከላ ኣብ ሙሉ ኢትዮጵያ ክፍጸም ገይሮም እዮም።

ሓገዝ ዝደሊ ናብ 20 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ቀረብ ምግቢ ስለዝተገደቦ ምስ ጥሜት ዝተተሓሓዙ ናይ ሞት ፀብፃባት ኣብ ወርሒ ሰነ ወሲኹ እዩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ መዓስከራት ተመዛበልትን ስደኛታትን ዝነብሩ ወገናት የመና ተጎዲኦም እዮም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዓለምለኸ ፕሮግራም ምግብን (WFP) ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ሕቡራት ኣሜሪካን (USAID) ንስደተኛታት ዝቐርብ ምግቢ ከም ብሓድሽ ዝጀመሩ እንትኸውን ናይ ምግቢ ውሕስና ንዘይብሎም ካልኦት ህዝቢታት ዝቐርብ ዝነበረ ግን ምስ ተኸልከለ ቀጺሉ እዩ።

ብሓይሊታት ፀጥታ ዝፍጸም በደል፣ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝፍኖ ጥቕዓት

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ፌደራል መንግስቲ ንሓይልታት ፖሊስ ክልላት ናብ ፌደራል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምውሃድ ምውሳኑ ስዒቡ ኩነታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ እናሓመቐ ከይዱ እዩ። ኣብ 9 መጋቢት እውን 2 ሰራሕተኛታት ረድኤት ካቶሊክ (CRS) ብጥይት ተወቒዖም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ከባቢኤንን ውግኣት ምካያዶም ፀብፃባት እንትሕብሩ ንህፃናትን ስደተኛታትን ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክም ዝተቐተሉን ከም ዝቖሰሉን፣ ከምኡውን ኣብ ንብረት ሲቪላትን ከም ሆስፒታላት ዝበሉ መሰረተ ልምዓትን ዕንወት ምብፅሑ ተሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ብዝተኻየደ ውግእ እንተነኣሰ 183 ሰባት ምሟቶም ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት (OHCHR) ኣብ 29 ነሓሰ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝተገበረ ናይ ገዛ ገዛ ፈተሻ ወልቀ ሰባት ኣብ ቁጽጽር ውዒሎ እዮም።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ብኣቆፃፅራ ኤሮፓ 5 ነሕሰ ንሙሉእ ክልል ኣምሓራ ዝሽፍን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ እንትዀን፣ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ እውን ኣብ መላእ ሃገር ክትግበር ዝኽእል እዩ። እቲ ኣዋጅ ህፁጽ እዋን ብገበን ዝተጠርጠሩ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ቁጽጽር ከውዕል፣ ገደብ ሕላፍ ስዓት ከቐምጥ፣ ህዝባዊ ኣኸባታት ክኽልክል፣ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ፈተሻ ከካይድ ንመንግስቲ ሰፊሕ ስልጣን ሂቡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምክፍፋል ስዒቡ ሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ሻሻመኔ ኦሮሚያ ንተቓውሞ ዝተኣከቡ ሰባት ንዝወልዑዎ ዓመፅ ብዝወሰዱዎ ግብረ መልሲ መቕተልቲን ማእሰርቲን  ተፈፂሙ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ዝተኻየደ ድርድር ሰላም ድሕሪ ምፍራሱ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (OLA) ጸረ ደባይ ወፍሪ ዳግም ጀሚሩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንማሕበረሰባት ኦሮሞን ኣምሓራን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጽሕ ጥቕዓት እስካብ መወዳእታ ነሓሰ ቀጺሉ እዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ ኮሚቴ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ከምዝገለጾ እቲ ውግእ ትካላት ጥዕናን መስመራት ማይን ሓዊሱ ወሰንቲ ዝበሃሉ መሠረተ ልምዓት ክዓንዉ ኪኢሎም እዮም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰበ ስልጣን ኦሮሚያ ኣብቲ ኣብ ጥቃ ኣዲስ ኣበባ ዝተደኮነ ሓድሽ ከተማ ሸገር ገዛውትን ትካላት ንግድን ብምፍራስ ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሑ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ቤት ኣልቦ ገይሮምዎም። ናይ ምፍራስ ከይዲ ንዝተቓወሙ ውልቀ ሰባት ድማ ሓይሊታት ጸጥታ ከም ዝደብደቡዎምን ተኲሶም ከምዘቑሰሉን ተገሊጹ

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሊ ኣብ ቆሎጂ መዓስከር ተፈናቐልቲ  ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ጸጥታ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊን ብተፈጠረ ጎንጺ ገለ ተፈናቐልቲ ክልል ሱማሊ ሂወቶም ክሓልፉ ኪኢሎም እዮም።

ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናፅነት፣ ሚዲያን መሰላት ምዉዳብን

ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ጸብፃባት ዝቐርቡሉ ኣገባባት ኣመልኪቱ ፌደራል መንግስቲ ስጡም ቁጽጽር ስለዝገብር ሲቪካዊ ምህዳር እናተሸርሸረ ይቕጽል ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ነቐፌታዊ ድምፂ ዘስምዑ ጋዜጠኛታት፣ ተቓወምቲን ተሟገቲ ሲቪክ ማሕብረሰብን ብዝፍጽሙዎ ግህሰት፣ ምንግልታዕን ማእሰርቲን ስቕታ ክመርፁ ወይ ድማ ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም እዮም።

ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዕለት 5 ጥሪ ካብ አዲስ አበባ ወፃኢ ብኣስገዳድ ዝተመዛበሉ ሰባት ጉዳዮም ክምርምሩ ንዝጸንሑ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (EHRCO) ዳንአል ተስፋየ፣ ብዙአየሁ ወንድሙ፣ በረከት ዳንኤልን ናቶም ሾፌር ኮይኑ ዝሰርሕ ሑሴን ናሆምን ኣሲሩ ብኣስገዳድ ንብዙሕ ሰዓታት ክስወሩ ገይሩዎዎም ፀኒሑ እዩ። ኣብ 12 ጥሪ እውን ቤት ፍርዲ ኦሮሚያ ንኣርባዕቲም ሰራሕተኛታት ብዋሕስ ለቒቑዎም

ካብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተቐመጠ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ  ከምተፈጸመ ፀብፃባት የመላኽቱ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ንቲ ገዛኢ ፓርቲ ከምኡ’ዉን ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ንዝወስዶም ስጉምቲታት ኣሐይሉ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኣባል ተቓዋሚ ውድብን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን (ፓርላማ) ክርስቲያን ታደለ፣ ኣባል ባይቶ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ዮሃንስ ቧያለውን ኣባል ባይቶ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ካሳ ተሻገርን ብፌደራል ፖሊስ ተኣሲሮም እዮም። ክርስትያን ታደለን ካሳ ተሻገርን ኣብ መጀመርታ ብሕቡእ ምእሳሮም ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ካብ 13 እስካብ 18 ሚያዚያ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጎንፂ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ጸብፃባት ንዘቕረቡ 8 ጋዜጠኛታት ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሎምዎም  እዮም። ንቲ ዝተቐመጠ ኣዋጅ ህፁጽ እዋን ሲዒቡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሲሮም እዮም። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፣ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰል ኢትዮጵያ (EHRC) ኣብ ክልል ዓፋር፣ ፍሉይ ቦታ ኣዋሽ ኣርባ ኣብ ዝብሃል ወታሃደራዊ ማዕሰከር ዝርከቡ እሱራት ጎብኒዩ ነይሩ። እሱራት ከም ክርስቲያን ታደለ፣ ካሳ ተሻገርን ስንታየሁ ቸኮልን ዝተብሃሉ ፖለቲከኛታትን ከም ኣባይ ዘውዱ ዝበሉ ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም እዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተቓወምቲን ደገፍቶምን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ሓቲቶም ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ስለ ዝነፀጉዎ ኣንፃር እቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት) ዝምራሕ ናይ ስግግር ምምሕዳር ተቓውሞ ጸዊዖም ብቲ ናይቲ ክልል ፖሊስ ድማ መውቃዕቲን ማእሰርቲን ኣጋጢሙዎም እዩ።

መንግስቲ ፌደራል ተበፃሕነት ኢንተርኔትን ማሕበራዊ ሚዲያን ብተደጋጋሚ ገዲቡዎ። ኣብ ክልል ትግራይ ንዓመታት ዝዘለቐ ምቁራፅ ግልጋሎት ኢንተርኔትን ስልኪን ቀስ እናበለ ዳግም ክጅምር ክኢሉ እዩ።

ኣብ መጀመርታታት ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ውጥረት ስዒቡ ኣብ ኦሮሚያ ክልል ህዝባዊ ተቓውሞ ድሕሪ ምቕስቃሱ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ግልጋሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ገዲቦምዎ ነይሮም። ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ውግእ እናበኣሰ ስለዝኸደ እንተነኣሰ ክልተ ግዜ ኢንተርኔት ተንቀሳቓሲ ስልኪ ክቋረጽ ተገይሩ  እዩ።

ግቡእ ከይዲን መሰላት ፍትሓዊ ከይዲ ፍርዲን

ሰበ ስልጣን ፌደራልን ክልልን ኣብ ልዕሊ ከይዲ ፍርዲ ቁፅፅር ገይሮም እዮም። ንመንግስቲ ኣብ ዝነቕፉ ወይ ድማ ንኣመራርሓ ተቓወምቲ  ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ብቐፃልነት ይግባይ ኢሎምን ውሳነ ቤት ፍርዲ ነፂጎም

ካብ 2020 ጀሚሩ ዝተትሓዙ ሸውዓተ ኣመራርሓ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ካብ ማእሰርቲ ንክፍትሑ ቤት ፍርዲ ንዝሃቦ ተደጋጋሚ ትዕዛዝ  ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብምጥሓሶም ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ፍልሰት፣ ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተትቲን

ሓይሊታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ንዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ዑቑባ ሓተትቲን ሓፊሶም ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ከም ዝኣሰሩ ዝገልጹ ፀብፃባት ኣብ ወርሒ ጉንበት ይወፅኡ ጀሚሮም። ኣብ መጋቢት 2020 ድማ ሓደሽቲ ዝመጽኡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምምዝጋብ ደው ኣቢሎም።

ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሙያ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምፍንቓላ ኣውጊዙ፣ ሰበ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ዑቑባ ሓተትቲን ዝግበር ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ማእሰርቲን ምፍንቓልን ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ዓለምዋጭ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ማዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ንቲ ኣብቲ ክልል ዝተወልዐ ውግእ ስዒቡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ጥቕዓት በፂሑዎም እዩ።

ብሕቡራት መንግስታትን (UN) ዓለምለኸ ሓገዝ ልምዓት ኣሜሪካን (USAID) ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ምግቢ ሓገዝ ደው ምባሉ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ልዕሊ 900,000  ስደተኛታትን ዑቑባ ሓተትቲን ብዙሓት ካብ ፍርቂ 2023 ጀሚሩ ሓገዝ ዝረክቡሉ ዕድል ኣፅቢቡዎ እዩ። እዙይ ድማ ኣብ ሱዳን ንዝተወልዐ ውግእ ሕድሕድ ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ ስደተኛታት ዝሓውስ እዩ።

ተሓታትነትን ፍትሒን

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ኲናት ንዝተፈጸሙ ገበናትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝበጽሑ ዘለዉ በደላትን ትርጉም ዘለዎ ተሓታትነት ክረጋገፅ ኣይተኽኣለን።

ንቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውግእን ተፃብኦን ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ስዒቡ ተሓታትነት፣ ሓቂ፣ ዕርቅን ሕውየትን ንምርግጋፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንምትእትታዉ ቃል ኣትዩ። ብኣቆፃፅራ ኤሮፓ ኣብ ጥሪ 2023 መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ንዝገብሮ ምኽሪ ከም መበገሲ ዘገልግል “ኣማረፅቲ ፖሊሲ ንፈትሒ ስግግር” (ቆፃል ወረቐት) ዘርእስቱ ረቒቕ ሰነድ ምውፅኡ ይፍለጥ። ኣብ ለካቲት ድማ ንቶም ሕዚ እዉን ጎንፂታት ኣብ ዝካየደሎም ዘለዉ ክልላት ኣምሓራን ገለ ክፋል ኦሮሚያን እንተይተረፈ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሪኢቶ ምትእኽኻብ ጀሚሩ። ይኹን እምበር እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸ ሰብ ሙያ ዝመርሑዎ መርማሪ ኮሚሽን (ICHREE) ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘቕረቦ ካልኣይ ጸብፃብ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ንቶም ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ብብቕዓት ክምርምር ኣይከኣለን” ጥራይ ዘይኮነስ “ጉድለታት ዘለዎ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ከምዝጀመረ” ገሊጹ።

ተቓወምቲ ጉጅለታት  ፖለቲካ፣ ሲቪክ ማህበራት፣ ናይ ኢትዮጵያ ሰብ ሙያ ሰብአዊ መሰልን ተሳተፍቲ ምኽክርን እቲ ረቒቕ ሰነድ ፖሊሲ ኣብ መትከል ሉዓላዊነት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ፣ ኣብ ሓቛፋይነት እዉን ጎደሎታት ከም ዝነበሮ ነቒፎምዎ እዮም ከምኡ’ዉን ኵናት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምክያዱ ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ገይሮምዎ። ብወገን ትግራይ ዘለዉ ተሳተፍቲ እውን እቲ ሰነድ ተሓታትነት ሓይሊታት ኤርትራ ዘየካተተ ብምዃኑ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሻራዉያን መርመርቲ ኣካላት ኢዶም ከየእትዉ ወፍሪ ቐጺሉ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ ንሓላፍነት እቲ መርማሪ ኮሚሽን (ICHREE) ኣብ ዘይእዋኑ ዘቋርፅ ውሳኔ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት  ሕቡራት መንግስታት  ከምዘሕልፍ ኣፈራሪሑ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ናይ ትግራይ ጉዳይ ክምርምር ብኮሚሽን ስብኣዊ መሰልን ምሰል ህዝብታትን (ACHPR) ምስ ዝተጣየሸ ኣፃራዪ ኮሚሽን እውን ከም ዘይተሓባበር ስርሑ ከም ዝቃወምን ገሊፁ እዩ። ብቲ ምፅራይ እንታይ ከምዝረኸበን ምኽረ ሓሳቡን ብቕሉዕ ናብ ህዝቢ ጸብፃብ ከየቕረበ ኣብ ወርሒጉንበት ሓላፍነቱ ኣብቂዑ

ጽዕንቶ ፈጠርቲ ዓለም ለኸ ተዋሳእቲ

ኣብ ወርሒ ጥሪ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይን ጀርመንን ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ሕብረት ኤሮፓ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ቅድም ኢሉ ዝጸንሐ ስሩዕ ርክብ ንኽምለስ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዝተፈጸሙ መጠነ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት መሰል ወዲ ሰብ ተሓታትነት ክግበረሎም ከም ቅድመ ኩነት ተገይሩ ክውሰድ ጸቕጢ ገይሮም። ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣሜሪካን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤሮፓን ናይቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸ መርማሪ ኮሚሽን (ICHREE) ስልጣን ኣብ ዘይ እዋኑ ክቋረጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ናይ ምፍርራሕ ወፍሪ ተንበርኪኾም። እቲ ኮሚሽን ኣብ ወርሒ መስክረም ናይ መወዳእታ ፀብፃብ ከቕርብ ኣብ ስምምዕ በፂሖም። ከምቲ ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሕብረት ኤሮፓ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንቲ ኮሚሽን (ICHREE) ንምጥያሽ ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ግና እቲ መርማሪ ኮሚሽን ስርሑ ክቕጽል ወይ ድማ ንቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ክትትል ንምግባር ዘኽእል ዓለምለኸዊ መስርሕ ንክህሉ ናብቲ ቤት ምክሪ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ የለን።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኤሮፓ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ርክብ ተሓታትንት ምርግጋፅ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ መሊሱ ዘረጋግፅ ድምዳመ ዘሕለፈ ይኹን እምበር ሕብረት ኤሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ መፃኢ ዝገብሮ ርክብ ብዝምልከት መለክዒኡ ትሕት ክብል ገይሩዎ እዩ። ኢትዮጵያ ምስቲ ኮሚሽን (ICHREE) ክትተሓባበር መፀዋዕታ ዘይምግባሩ ሓዊሱ እቲ ኲናት ካብ ዝተወልዐ ጀሚሩ ሕብረት ኤሮፓ ከቕርቦም ዝጸንሐ ወሰንቲ ሕቶታት እውን ኣብ ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅ ምንም ዓይነት ምምሕያሽ ከምዘይተገበረ ገሊጹ። ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ 2020 ኣቋሪጹዎ ዝነበረ ሓገዝ ብምቕፃል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 650 ሚሊዮን ኤሮ ሓገዝ ምግቢ ንኢትዮጵያ ክህብ ዕላዊ ከምዝገበረ ሕብረት ኤሮፓ ኣፍሊጡ እዙይ ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኤሮፓን ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ርክብ ንምምሕይሽ ዝተገበረ ሓደ ስጉምቲ ከምዝኮነ እዉን ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ንገበናት ኲናት፣ ገበናት ሰብኣዊነት ሓዊሱ ኣሰቀቕቲ ገበናት ከምተፈጸሙ ብዕሊ ኣፍልጦ ሂቡ ። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ማለትውን ኣብ ወርሒ ሰነ ምምሕዳር ጆ ባይደን ንባይቶ መዉፅኢ ሕጊ ኣሜሪካ ከምዘፍለጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዓበዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ተሳትፎኡ ከምዘይቀፀለሉ ኣመላኺቱ። ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካን ካብ ዓለምለኸ ገንዘባዊ ትካላትን ልቓሕን ገንዘባዊ ሓገዝን ክትረክብ ድማ ፈቒዱ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተሓተትቲ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ኣካላትን ማዕቀብ ንምንባር ዘኽእል ትእዛዝ ፈፃሚ ኣካል 2021 ዳግም ክሕደስ ትእዛዝ ከምዘሕለፈ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣፍሊጡ። እስካብ እዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ኣካላትን ወልቀሰባትን ጥራይ ማዕቀብ ከምዘንበረ ይፍለጥ።