Skip to main content

Eritrea

Events of 2023

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኦም ዘዉርድዎ መጥቃዕቲ ከብቅዕ ብምፅዋዕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ጥቃ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ መደብር ፖሊስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ብኣቆፃፅራ ኤዉሮፓ 5 ጥቅምቲ 2023።

© 2023 ኢልያ የፊሞቪች/ምስሊ-ኣሊያንስ/ዲ ፒ ኤ/ኤ ፒ ኢሜጅስ

ኤርትራ ናይ ኣመለኻኽታ፣ ናይ ሃይማኖት፣ ሪኢቶን ሓሳብ ብናፅነት ምግላፅን ሓዊሱ መሠረታዊ መሰላት ምዕፋንን ጅምላዊ ግፋን ቀፂላትሉ ትርከብ። ሓይሊታት ጸጥታ ኤርትራ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል እንዳፈጸሙ ይርከቡ።

እዚ ዓመት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መበል 30 ዓመት ጽምብል መግዛእቲ ሓደ ሰብ ዝኸበረሉ እዩ። ኤርትራ ኣብ 1993 ዓ.ም ኤሮፓ (ዓ.ም.ኤ) ናፅነታ ካብ ትረክብ ጀሚሩ ምንም ዓይነት መረፃ ዘይገበረት እንትትከውን መሠረታዊ መሰል ዜጋታት እታ ሃገር ንምርግጋፅን ስልጣን እቲ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ውሱን ንምግባርን ተሓሲቡ ኣብ 1997 ዓ.ም.ኤ ዝወጽአ ሕገ መንገስቲ (ቅዋም) እቲ ዘይተመረጸ ፕረዚደንት ተግባራዊ ክገብሮ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ካብ 2010 ዓ.ም.ኤ ጀሚሩ እቲ ኣካል ኣይተኣከበን፣ ብናፃ ምፅሓፍ ወይ ድማ ንቲ ፈፃሚ ኣካል ዝከታተል ነጻ ፕረስ ወይ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ የለን። ተሓታትነት ዘይምህላው ከም ንቡር ተወሲዱ መሰላት ስሩዕ ከይዲ ፍትሒ ተጣሒሶም ይርከቡ።

እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ብኣስገዳድ ዝግበር ሃገራዊ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ብዘይኣግባብ ዘቐጸሎ እንትኸውን ናይ ግዜ ገደብ ክግበረሉ ኣይተኽኣለን ጥራይ ዘይኮነስ ብኣስገዳዲ ዝግበር ግፋ ኮነ ዝፍጸሙ በደላት ደው ንምባል ኣይተኽኣለን። ካብ 2020 ጀሚሩ ስጋብ 2023 ዓ.ም.ኤ ኣብ ዘሎ እዋን መንግስቲ ንቶም ካብ ኣገልግሎት ከምልጡ ዝሃቀኑ ዝብሎም ዜጋታት ሓዱሽ ጀምላዊ ግፋ ኣካይዱ። ስድራ ቤታት ነቶም ክሃድሙ ዝተጠርጠሩ ዜጋታት እውን መቕፃዕቲ ወሪዱዎም እዩ።

ኤርትራ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም.ኤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ትግራይን ዝተፈረመ ውግእ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ኣካል ኣይኮነትን። ሰራዊት ኤርትራ ሎሚውን ኣብ ገለ ክፋላት ትግራይ ተሪፉ ከምዘሎን ንጾታዊ ዓመፅ፣ ብኢደወነንካ ምቕታልን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ምኽልካልን ሓዊሱ ኣዚዮም ከበድቲ ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ይፍጽሙ ኣለዉ።

ኤርትራ ኣባል ባይቶ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕብራት መንግስታት እኳ እንተኾነት ምስ ወሰንቲ ዝበሃሉ ናይ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ትካላት ክትተሓባበር ፍቓደኛ ኣይኮነትን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ፍሉይ ጸብፃብ ከቕርብ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዘ ኣካልን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪካን (ACHPR) ዝህቡዎ ውሳነታት ምላሽ ክህብ ኣይፈቐደን።

ኤርትራ ብዓርሰ ፍቓድ ዝምስረት ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ከም ገበን ወሲዳ ብሸውዓተ ዓመት እስራት ትቕጽዕ።

ምግሃስ፣ ንዘይተወሰነ እዋን ዝግበር ወታሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣስገዳዲ ናይ ጉልበት ስራሕን

መንግስቲ ንቲ ህዝቢ ንምቁጽፃር ክብል ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ብሄራዊን ወታሃደራዊ ኣገልግሎት የካይድ። እቲ ዝካየድ ሃገራዊ ወታደራዊ ኣገልግሎት ብሕጊ ን 18 ኣዋርሕ ዝተወሰነን ካብ 18 እስካብ 40 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስቲዮን ዝምልከት ምዃኑ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ ንቲ ኣብ 1998ን 2000ን ዓ.ም.ኤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ግና ውሱን እዋን ዘይብሉ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ብኣስገዳድ ዝግበር መስርሕ ንብዙሓት ኤርትራዊያን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ክጸንሑ ኣገዲዱዎም እዩ። ካብ ኣገልግሎት ዝወጽእ እንተሃሊዩ ብውልቀን ብዘይፍቓድን ዝፍጸም ጥራይ እዩ።   

እቶም ካብ ‘’ግፋ’’ እናበሉ ዝጽውዕዎ መስርሕ ዘምልጡ ዜጋታት ብፖሊስ እናተኸበቡ ይህደኑ። ካብ መጀመርታ 2022 ጀሚሩ እስካብ ሙሉእ 2023 ዓ.ም.ኤ ዘሎ እዋን ኣብ ዶባት እታ ሃገር ከተገልግሉ ዝበሎም ደቂ 50ን 60ን ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት እውን ዝሓውስ ጽዑቕን ኣስገዳድን ግፋ መንግስቲ ኤርትራ ኣካይዱ። 

መንግስቲ ኤርትራ ንስድራ እቶም ካብ ኣገልግሎትን ግፋን ዘምለጡን ዝተሓብኡን ዜጋታት ብጅምላ ይቐጽዕ፡፡ እዚ ድማ ብመሰረት ዞባውን ኣህጉራውን ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዘይሕጋዊ እዩ። ሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲን ሰበስልጣንን ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣዝማድ እቶም ካብ ኣገልግሎትን ግፋን ዘምለጡን ዝተሓብኡን ዜጋታት  - ህፃናት ዝሓዛ ኣዴታት እንተይተረፈ - ካብ ገዝኦምን ንብረቶምን ብምምዝባል፣ ብሂወት ንክጸንሑ ዝሕግዞም መሰረታዊ ዝኾነ ራሽን ምግቢ ብምቁራፅ ብዘይሕጊ ይኣስሩዎም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምልመላ ንህፃናት ኣብ ትምህርቶም ኣዕናዊ ዝኾነ ጽልዋ ይቕጽል ኣሎ። ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ወታሃደራዊ መዓስከር፣ ህፃናትውን ዝርከቡዎም እንትኸውን ቅድሚ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ምውድኦም ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ክህቡ ዝግደዱሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። እዞም ካብ ሳዋ ወፂኦም ኣብ ኣስገዳድ ኣገልግሎት ዝምደቡ ብዛዕባ ዘገልግሉሉ ቦታን ግዜን ናይ ምሕታት መሰል የብሎምን። ምኽንያታዊ ተቓውሞ ዝተኸልከለ እዩ።

ፍሉይ ጸብጻቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ወተሃደራዊ ምልመላ ቁጽሮም ዘይነዓቕ ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት ይምልመሉ ከምዘለዉ ሰኒዱ

ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ ኣገዲድካ ምስዋር

ብጅምላ ዝካየድ ግፋን ብኢደወነን ዝፍጸም ዝተናውሐ  ማእሰርቲ፣ ኣገዲድካ ምስዋር፣  መንግስቲ ከም ተቓወምቲ ዝቖጽሮም አሱራት ምስ ኣማኸርቲ ሕጊን ቤተሰብን ርክብ እንተይተፈቐደሎም ገለገሊኦም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስቓይ ዝነብር ብዙሕ እዩ። እሱራት ኣብ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ተታሒዞም ይርከቡ።

ካብ መፋርቕ 2022 ክሳብ መጀመርታ 2023 ዘሎ እዋን መብዛሕቶም ካብ ግፋ ኣምሊጦም ዝተኣሰሩ ካብ ከባቢ ኣስመራ ኮይኑ ናብቲ ብወታሃደራዊ ኣካል ዝመሓደር፣ ካብ ኣስመራ ንኣንፈት ሰሜን ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ተወሲዶም። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 እስካብ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም.ኤ ኣብ ዘሎ እዋን እውን ኣብቲ ሓደ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ጥራይ ብርክት ዝበለ እኩብ ሰብ ከምዝርኣዩ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ይገልጹ።

ነቶም ኣብ 2001 ዓ.ም.ኤ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ሕቶታት ብምልዓሎም ምኽንያት ተኣሲሮም ኣብ ሕቡእ ዝተትሓዙ (ወይ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ) ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበር ሓዊሱ፣ ብዙሓት ኤርትራዊያን ተሰዊሮም እዮም። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 16 ጋዜጠኛታት እውን ምእሳሮም ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ዕድሚኣ 15 ዓመት ዝነበረት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፣ ጓሉ ንቲ ናይ ቀደም ሚኒስትሪ ዜና ዝነበረ ዓሊ ዓብዶ፣ ንዝሓለፈ 11 ዓመታት ተኣሲራ ትርከብ። መንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ እውን ካብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም.ኤ ጀሚሩ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።   

ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝግበር ገደብ

ካብዞም ኣርባዕተ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃቦም እምነታት፣ ማለትውን ሱኒ እስልምና፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ፣ ናይ ሮማ ካቶሊክን ናይ ኢቫንጀሊካል (ሉተራን) አብያተ ክርስቲያን ወፃኢ ካልእ ዓይነት እምነት ዝኽተሉ ዜጋታት ምእሳር ቐጺሉ እዩ።

ሰዓብቲ ጀሆቫ ምስክርነት (ጆሆባ ዊትነስ) ኣብ ናፅነት ኤርትራ ዝተገበረ ውሳነ ህዝቢን (ረፈረንደም) ከምኡውን ሃገራዊ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ብሕልና ብምቅዋሞም ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 1994 ዓ.ም.ኤ ናይ ዜግነት መሰሎም ብምቕንጣጥ ንማአሰርቲ ዳሪጉዎም እዩ። 10 ደቂ ኣንስቲዮን 26 ደቂ ተባዕቲዮን ዝርከቡዎም 36 ሰዓብቲ ጆሆባ ዊትነስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ሰዓብቲ ናይቶም መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦም ኣብያተ እምነት እውን እንተኾኑ ካብ ማእሰርቲ ናፃ ኣይኮኑን። ምስ ትግራይ ሰላም ክህሉ ድምጾም ዘስምዑ ሰለስተ ጳጳሳት ካቶሊክ ቤትክርስቲያን ኣብ 2022 ዓ.ም.ኤ ብዘይሕጊ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ምእሳሮም ይፍለጥ።

ኣብ ምሉእ ዓመት ሓደስቲ ማእሰርቲ ክርስትያን ከምዝተፈጸመ ይሕበር ነይሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝገብሩ 44 ሰባት ተኣሲሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ሰርዋ ከምዝተወሰዱን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን ካልኦት 103 ክርስትያን ከምዝተኣሰሩን ይግለጽ።

ፍሉይ ጸብጻቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ደገፍቲ ነፍስሄር ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ዝኾኑ 44 ኦርቶዶክሳውያን መነኮሳት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ። ሓደ መራሒ ቤተክርስትያን ጴንጠቆስጠ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ፡ ብመሰረት ክርስትያናዊ ጉጅለታት ድማ፡ ኣዝማዱ ዝመረጽዎ ቀብሪ ተኸልኪሉ።

ብእወንታ ድማ ፍሉይ ጸብጻቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ብውሕዱ 11 ክርስትያን ካብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ሰርዋ ከምዝተፈትሑ ጸብጺቡ።

ኣህጉራዊ ሓለዋን ግዱድ ምምላስን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ 345,000 ኤርትራዊያን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቑባ ከምዝሓተቱ፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ድማ ልዕሊ 580,000 ስደተኛታትን ዑቑባ ሓተትቲ ከምዝኾኑ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት (UNHCR) ጸብጺቡ።

ኣብ 2023 ዓ.ም.ኤ ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሓለዋ ወይ ዑቑባ ዝሓተቱ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ሓይሊታት ጸጥታን፣ ንኢትዮጵያ፣ እስራአል፣ ደቡብ ሱዳን ሱዳንን ሓዊሱ ኣገዲድካ ምምላስ ከየጋጥሞም ኣብ ስግኣት ይርከቡ። ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ኤርትራውያን ከቢድ ስቂያትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን የጋጥሞም። ኣብ 2022 ዓ.ም.ኤ ግብፂ ዝሰጎገቶም ኤርትራዊያን ዑቕባ ሓተትቲ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ፍሉይ ጸብጻቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሓቢሩ።  

ካብ ወርሒ ለካቲት 2023 ዓ.ም.ኤ ጀሚሩ ኣብ ሱዳን 130,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቑባ ሓተትቲን ይርከቡ። ይኹን እምበር ኣብ ሱዳን ውግእ ምውልዑ ስዒቡ ንድሕንነት ኤርትራዊያን ዑቑባ ሓተትቲ ዝግበር ሓለዋ ኣዚዩ እናፀበበ መጺኡ እዩ። ኣብ መጀምርታ እቲ ውግእ ኤርትራዊያን ዑቑባ ሓተትቲ ብሓይሊታት ጸጥታ ኤርትራ ተዓፊኖም ብኣስገዳድ ናብ ዓዶም ከምዝተወሰዱ መራኸብቲ ሓፋሽ ጸብጺበን። ደቡብ ሱዳን እውን ብዓሰርተታት ዝግመቱ ካብ ውግእ ሱዳን ኣምሊጦም ናብ ጁባ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ ግንቦት ንድሕሪት መሊሳቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ሓዱሽ ናይ መንግስቲ ፖሊሲን እቲ ካብ 2020 ዓ.ም.ኤ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ስዒቡ ንኤትራዊያን ዝግበር ዝነበረ ምዝገባ ደው ክብል ስለዝተገበረ ብዙሓት ኤርትራውያን ከይተመዝገቡ ተሪፎም። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ምስጓጉ ስዒቡ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝኾነኖ ይፍለጥ። ዕጫ ናይዞም ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን እንታይ ከምዝኾነ ድማ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ክህበሉ ሕቡራት መንግስታት ወሲኹ ሓቲቱ።

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ዑቑባ ሓተትቲ ንመበል 30 ዓመት ናፅነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ኤምባሲታት ዝግበር በዓላት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም፡፡ ብቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተመወለ መደብ ፅምብል ዑቑባ ሓተትቲ ብምቅዋሞም ናብ ጎንፂ ስለዝተቐየረ ቀዳማይ ሚንስትር ኢስራኤል ዝኾኑ ቤንጃሚን ናትናያሁ ኤርትራዊያን ዑቑባ ሓተትቲ ናብ ሃገሮም ክንሰግጎም ኢና ክብሉ ኣጠንቂቖም። ንቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር መጠንቀቕታ ስዒቡ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት እውን ብወገኑ መንግስቲ እስራኤል ሕጊ ዝጥሕስ ስጉምቲ ከይትወስድ ክብል ምሕፅንታ ኣቕሪቡ።  

ኣህጉራዊ ዝምድናታት

ሓይልታት ኤርትራ ሕጂውን ካብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ እንተይወጹ ከቢድ ጥሕሰት ብምፍጻሞምን ሰላማውያን ሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓገዛት ንኸይረኽቡ ምኽልካልን ቀጺሎም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓዊሱ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ተፈጺሙ ዘሎ ከቢድ ግህሰታት ኣመልኪቱ ዝቐርብ ክስታት “ፋንታሲ” (ሕልሚ ወይ ዓጀውጀው) ብምባል ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ትገብሮ ኢድ ኣእታዊነት ብምቅዋም ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብቲ ኣባልነት ገዲፋቶ ዝጸንሐት ዞባዊ ትካል ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ (IGAD) ድሕሪ 16 ዓመታት ተመሊሳ ተጸንቢራ ኣላ።

ኤርትራን ጁቢቲን ብምኽኒያት ዶብ ዝተፈጠረ ጎንፂ ንዓሰርተ ዓመት ኣቋሪጸንኦ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ድሕሪ 2018 ዓ.ም.ኤ ዝቐጸለ እኳ እንተኾነ ኣብ 2008 ዓ.ም.ኤ ተማሪኾም ዝተብሃሉ 13 እሱራት ጁቢቲ ዝምልከት ሓበሬታ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይኮነትን

ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ናይ ዓለም ገባቲ ሥርዓት ቕልውላውን ዕንወትን ኣብ መላእ ዓለም የስፋሕፍሕ ኣሎ ክብል ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከሲሱዋ

ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቕልውላው ተተሓሒዙ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ዝኾነ ጀነራል ፊሊጶስ ወልዴዮሃንስ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዝፈጸሞ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ምኽኒያት መንስግቲ ኣሜሪካ ኣንቢሩዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ክናዋሕ ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ወርሒ መስከረም እውን ትሕተ ዕድመ ዝኾኑ ህፃናት ናብ ውትድርና ብምስላፋ ምኽኒያት መንግስቲ ኣሜሪካ ብዘለዎ ህፃናት ካብ ውትድርና ዝኽልክል ሕጊ ኣቢሉ ንመጀመርታ ግዘ ኤርትራ ኣብ መዝገብ ወታሃደራዊ ሓገዝ ዝተኸልከላ ሃገራት ኣስፊሩዋ ኣሎ። ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ መቕተልቲ፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ ምስዋርን ምስቓይን ሓዊሱ ኣብ ኤርትራ ንዝተፈጸሙ ገበናት ንመጀመርታ ግዘ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ደሕንነት ዝኾነ ሜጄር ጀነራል ኣብርሃ ካሣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ዓ.ም.ኤ ሕብረት ኤሮፓ ዘንብሮ ማዕቀብ ኣብ ዘለዎ ክቕጽል ተወሲኑ ኣሎ።