Skip to main content

Eritrea

Events of 2017

ሓጺር ክፋል ነቲ ብኣል ዲያ እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊን ዝተኸፍተ ተዅስን ዘርኢ ቪድዮ፤ ጥቅምቲ 2017.

© 2017 Private

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ን26 ዓመት ዝገዝአ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገና ኣብ ትሕቲ ወልቀ መላኽነት ትርከብ ኣላ። እታ ሃገር ባይቶ ሕጊ የብላ፡ ውልቃውያን ሲቪካውያን ማሕበራት የብላ ነጻ ፍርዳዊ ትካል የብላ ኮይና ትቕጽል ኣላ። እቲ መንግስቲ ንናይ ሃይማኖታዊ ነጻነት ብምኹናን ብዘይካ ነተን ኣርባዕተ እምነታት ንኹለን ወጊዙወን ይርከብ።

ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ 18 ዓመት ምስመልአ ኣብ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ንዘይተወሰነ ግዜ ከገልግል ይግደድ። ብዙሓት ኣባላት እዚ ኣገልግሎት'ዚ፡ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝጸንሑ ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝተመደቡ ኣለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ተመዲቦም ኣብ ናይ ኣስገዳድ ስራሓት ንውልቃውያንን ማሕበራውያንን ፕሮጀክትታት ኣገልገልቲ ኰይኖም ይርከቡ።

ብሰሪ ጨቋኒ መግዛእቲ ኢሳያስን እቲ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዳርጋ 12 ሚእታዊት ህዝቢ ኤርትራ ሃገሮም ሓዲጎም ተሰዲዶም ይርከቡ። ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት (UNHCR)፡ ኣብ 2016 ጥራሕ 52000 ሰባት ካብ ሃገሮም ወጺኦም።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ናይ ኤርትራ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቱ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቆንስል ዘቕረቦ ጸብጻብ "ክሳብ እቲ መንግስቲ ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነቱ ዘይተሰከመ፡ ምውሓዝ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ዘቋርጸሉ ርጉእ ኵነታት የለን" ክብል ሓቢሩ። እቲ ቆንስል ድማ ኤርትራ ምምሕያሽ ብምእትታው ነቲ ገደብ ኣልቦ ዕስክርናን ናይ ኣስገዳድ ስራሓትን ደው ከተብሎ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቆንስል ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ፈጺሙዎም ዝበሃሉ ገበናት ንኽምርምር እሞ ነቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ሕጊ ቀሪቦም ፍርዶም ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።  

ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ናይ ኣስገዳድ ስራሕን

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝግበር ግፍዕታት ማእለውያ የብሉን፡ ንሱ ድማ እዩ ናይ ኣሽሓት ሃገሮም ጠንጢኖም ክስደዱ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ኣገልግሎት ወላኳ ብኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ምዃኑ እንተተገልጸ፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት እዩ ዝቕጽል። እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ምርመራ ነዚ ኵነታት እዚ ስልቲ "ባርነት" ምዃኑ ይገልጽ።

እቶም ዕስኩራት ን72 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ክሰርሑ ይግደዱን ምስኡ ድማ ሓደገኛ ዓይነታት መቕጻዕትን፡ ንደቀንስትዮ ድማ ብሓለፍተን ጾታዊ ዓመጽን ይወርዶም። ብተወሳኺ፡ ብዋሕዲ መግቢ ይሳቐዩ። ደሞዝ ኣብ 2014 ተወሲኹ ተባሂሉ፡ እንተዀነ፡ ንመግቢ ብምባል ካብቲ ደሞዞም ዝቝረጽ ገንዘብ ነቲ ወሰኽ የጓድሎን፡ እቲ ዝወሃቦም ገንዘብ ስድራቤቶም ንምእላይ ዘኽእል ኣይኰነን።

ናይ ምዝራብን፡ ሓሳብካ ምግላጽን ማሕበራት ምምስራትን ናጽነት

ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ካብ ትካላዊ ተጽዕኖታት ነጻ ኰይኑ፡ ስኑድ ብዝዀነ ኣገባብ ናይ ምጭፍላቕ ሜላትት ከምዝጥቀምን ኣብ 2017 እውን እዚ ሜላታቱ ቀጻሊ ምህላዉን ይፍለጥ። ኣብ ህዝቢ ዝግበር ስለላ ቀጻሊ እዩ። ካብቶም ግኑናት ዝዀኑ መኽሰሲ ሰባት ኰይኖም ዘለዉ ነገራት፤ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይተሳተፍካን/ኪን፣ ካብ ሃገር ክትወጽእ/ጺ ፈቲንካ/ኪ፣ ኣብ "ዘይወግዓዊ" ሃይማኖት ተሳቲፍካ/ኪ፣ ወይ ከኣ ንበዓል ስልጣን ደፊርካ/ኪ ዝኣመሰሉ ነገራት የጠቓልሉ። መሰላቶም ክጥቀሙ ዝፍትኑ ኣባላት ስድራቤታት መሰላቶም ውሑስ ከምዘይኰነ ይበርሃሎም።

ኤርትራውያን ንገደብ ኣልቦ ማእሰርቲ ዝተቓልዑ እዮም። ማእሰርቲን ኣስካሕካሒ መቕጻዕቲ፣ ከም መግረፍቲ ዝኣመሰሉ ገበናት በቶም ኣባላት ጸጥታ ይወርዶም፡ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ይግባይ ክብሉን ድማ ኣይከኣልን። እቲ ማእሰርቲ፡ ንዘይተወሰነ ግዜን በጻሕቲ ምስ እሱር ዘየራኽብን ኰይኑ፡ ገለ እሱራት ድማ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ ብኡ ኣቢሎም ዝጠፍኡሉን ኵነታት እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እሱር፡ ብ2002 ተኣሲሩ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ በጻሕቲ ይኹኑ ካልኦት ብዛዕባኡ ሓበሬታ ክእክቡ ዝደልዩ ኣባላት ስድራቤት ከይረኸብዎን ን15 ዓመታት ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሬሳኡ ንስድራቤቱ ተዋሂቡ።

ኣብ 2015 እቲ መንግስቲ ሓድሽ ገበናዊ ዓንቀጽ ኣዋጅ ኣተኣታትዩ። እንተዀነ፡ እቲ መስርሕ ናይቲ ፍትሓዊ ዓንቀጻት እቲ ኣዋጅን መስርሕ መሰል ናይ ማእሰርቲ መጠንቀቕታን፣ ምህላው ጠበቃ/ኣማኻሪን፣ መሰል ይግባይን ናይቶም እሱራት ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ብኸምኡ ይቕጽል ኣሎ። 

ኣብ መስከረም 2001 እቲ መንግስቲ ንኹለን ብሕታውያን ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻው፡ ነቶም ኣሰናዳእተንን ፍሉጣት ጋዜጠኛታትን ኣሲሩ። ወላ ሓደ ካብዞም እሱራት እዚኦም ኣብ ፍርዲ ኣይቀረበን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ገለ ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ፍርቆም እዞም እሱራት ሞይቶም እዮም። ኣብ ግንቦት 2017 ዳዊት ኢሳቕ፣ ካብ 2005 ከይተራእየ ጠፊኡ ዘሎ፡ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርትን ሳይንስን ባህልን ውድብ፡ (United Nations Educational, Scientific and Cultural Organization) ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ፕረስ ነጻነት ብልጫ (World Press Freedom Prize) ኣብዘየለወሉ ተዋሂቡ። 

11 ካብቶም ንኢሳያስ ዝነቐፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ 2001 ጀሚሮም በጻሕቲ ከይረኸቡ ተኣሲሮም ኣለዉ። ኤርትራ ንምፍታሖም ብናይ ኣፍሪቃዊ ኮምሽን ሰብኣዊን ህዝባውን መሰላትን ብናይ ሰብኣዊ መሰላት ቆንስልን ዝቐረበላ ጻውዒት ነጺጋቶ ትርከብ ኣላ።

ኣብ 2012 ሓደ ሚኒስተር ነበር ምስሃደመ፡ ኢሳያስ ን15 ዝዕድሚኣ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዋ ጓል እቲ ምኒስተርን፣ ወዲ 38 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዱን፣ ን87 ዝዕድሜኦም ኣቦ እቲ ምኒስተር ነበርን ኣሲሩዎም ይርከብ። ሰለስቲኦም እዞም እሱራት እዚኦም ገና ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን።  

ሃይማኖታዊ ነጻነት

ኣብ 2002 ኤርትራ ንዅለን እምነታዊ ትካላት ክምዝገባ ከምዘለወን ኣገዲዳ ከተብቅዕ ብዘይካ ሱኒ እስላምን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ሮማዊ ካቶሊክን ኢቫንጀሊካል ወይ ሉተራን ቤተክርስትያንን ነተን ካልኦት ሃይማኖታት ነጺጋተን።

እቲ መንግስቲ ወላ ኣብዘን ዝተቐበለን ሃይማኖታት'ውን እንተዀነ፡ ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብር። ነቶም ናይ ኦርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ኣብ 2006 ካብ ስልጣን ኣውሪዱ ኣብ ናይ ገዛ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩዎምን ነቲ ቤተክርስትያን ተካኢ ፓትርያርክ መዚዙን። ኣብ ሓምለ 2017 እቶም እሱር ፓትርያርክ ድሕሪ 11 ዓመት ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ናይ ጸሎት ኣገልግሎት ኣምጺኡ ኣሳቲፍዎም፡፡ እንተዀነ መደረ ንኸስምዑ ኣየፍቀደሎምን። እቲ ኣብቲ ናይ ቤተክርስትያን ኣጋጣሚ ዝተገብረ መመልከታ ነቶም ፓትርያርክ ወቒሱ ከብቅዕ፡ እቲ "ጕዳይ" ተፈቲሑ ኣሎ ብማለት ገሊጹ። ካብታ ኣጋጣሚ እቲኣ ንደሓር ግና እቶም እሱር ፓትርያርክ ብኣካል ከይተራእዩ ተሰዊሮም እዮም ዘለዉ።

ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ወርሒ ሰነ ጥራሕ 170 ዝኣኽሉ ኣባላት ኢቫንጀሊካዊ ክርስትና ተኣሲሮም ይርከቡ። ገለ ካብዚኣቶም ናብቲ ኣስካሕካሒ ቤት ማእሰርቲ ዳህላክ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣትዮም ከምዘለዉ ይንገር። ኣብ ኤርትራ፡ ኣባላት ጸጥታ ሃንደበት ኣብ ናይ ውልቂ ገዛውቲ ንዓመታዊ ኣምልኾ ንዝእከቡ ሰባት ንምእሳር ክወሩ ንቡር ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ። ሃይማኖቶም ንክኽሕዱ ምግዳድ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መንገዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከውጽኦም ዝኽእል መፍትሒ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ መንግስቲ ናይ እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ኣል ዲያ ዝዀኑ ተማሃሮ ኣንጻር መንግስታዊ ምውራስ ቤት ትምህርቶም ዘንቀልዎ ተቓውሞ ጨፍሊቑ። ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ናይ ክብሪ ፕረዚደንት እቲ ቤት ትምህርቲ ዝዀኑ ኣቦ ንምውራስ ቤት ትምህርቲ ተቓውሞኦም ስለዘስምዑ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጕኖም። ብተመሳሳሊ፡ ሓያሎ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኦፊሰራት ተኣሲሮም። ኣቐዲሙ፡ እቲ መንግስቲ ኵለን ሃይማኖታውያን ቤት ትምህርትታት ኣካል መንግስታዊ ምምሕዳረ ትምህርቲ ክኾና ከምዘለወን መደብ ከምዘለዎ ኣዊጁ ኔሩ እዩ። 

ብፍላይ ኣባላት ጅሆባ ዊትነስ ገና ኣብ ክቱር ቀይዲ ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 53 ሰባት ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ስለዝተሳተፉ ጥራይ ተኣሲሮም። ሰለስተ ከኣ ካብ 1994 ጀሚሮም ን23 ዓመታት ተኣሲሮም ኣለዉ። 

ስደተኛታት

ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ስደተኛታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ። ኣብ 2017 ሱዳን ንልዕሊ 100 ዝዀኑ 30 ትሕቲ-ዕድመ ዝርከብዎም ሓተትቲ ዑቕባ ብሓይሊ ንዓዶም መሊሳቶም። ላዕላዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ነቲ ናይ ምስጓጕ ተግባር ነቒፉ፡ ነቲ ተግባር ድማ "ከቢድ ምግሃስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት" ብምባል ገሊጹ። ኣብ 2016 ሱዳን 400 ኤርትራውያን ንዓዶም መሊሳቶም፡፡ እዚኦም ድማ፣ ብመሰረት ጽብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ምርመራ ኮምሽን፣ ኣብ ዓዶም ምስተመልሱ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ። ካብዚኣቶም ነጻ ዝተለቀ ሰብ ኣሎን የለን ኣብ ዝብል ገና ቤላቤሎ እምበር ጥቁው ሓበሬታ የልቦን። ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ እቲ መንግስቲ ምስጢራዊ ብምዃኑን፡ ነጻ ዝዀና ትካላት ሓበሬታ ብዘይምህላወን እዩ።

ክሳብ ምጅማር 2013፡ እስራኤል ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት መሰል ዑቕባ ንኸይወሃቡ ከልኪላ ጸኒሓ። ኣብ መወዳእታ 2015፡ እስራኤል ንሓሙሽተ ኤርትራውያን ጥራይ እያ ከም ስደተኛታት ተቐቢላ። ንኻልኦት ኵሎም ነታ ሃገር ሓዲጎም ክኸዱ ብምግዳድ፡ ነቶም ብወለንትኦም ክኸዱ ድልዋት ዘይኰኑ ድማ ብምእሳርን፡ ናይ ዘይተወሰነ እዋን ማእሰርቲ ምፍርራሕን ብምክያድ፡ ካብታ ሃገር ክወጹ ትግድድ። ኣብ ነሓሰ 2017፡ እቲ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቶም ብወለንታ ካብታ ሃገር ክወጹ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ስደተኛታት ንልዕሊ 60 መዓልቲ ንኸይእሰሩ ውሳኔ ሂቡ። ሽዑ ሽዑ ድማ እቲ ሚኒስተር ፍትሒ ነቲ ሕጊ እስራኤል ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ውዱቕ ዝገብር መስርሕ ክጅምር ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብ 2017፡ ናይ ስዊዘርላንድ ቤት ፍርዲ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ፡ ካብ ኤርትራ ካብ ሰራዊት ሃዲማ ከምዝወጸት ጭብጢ ክሳብዘይሃለዋ፡ ናብ ዓዳ እንተተመልሰት ዝዀነ ዓይነት መቕጻዕቲ ከጋጥማ ኣይክእልን እዩ ብማለት ግምታቱ ሂቡ። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ስደት ኣቐዲሙ ዝነበረ ተመሳሳሊ ፍርዲ ስዊዘርላንድ ነቒፉዎ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ዝጥረዙ ስደተኛታት መቕጻዕቲ ከምዘየጋጥሞም ዘነጽር ጭብጢ ስለዘይብሉ እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን እቶም ዝዓበዩ ጕጅለ ሓተትቲ ዑቕባ እዮም።

ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኤውሮጳ ዝጐዓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ጕዕዞ ኣስጋኢ ሓደጋታት ይወድቆም። ገለ ካብቶም ሓደጋታት፡ ጾታዊ ዓመጽ (ምግሳስ)፣ ገንዘብ ንክኸፍሉ ይግደዱ፣ ብመሰጋገርቲ ሰብ ይግረፉ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉን። እዚ እንዳሃለወ ከሎ ግን፡ ገና ኣሽሓት በቲ ኣብ መንገዲ ዘጋጥም ሓደጋታት ከይረዓዱ ጕዕዞ ክቕጽሉ ይደልዩ።

ቀንዲ ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ

ኣብ ሓምለ፡ ቀጠር ነቶም ኣብ ዶባት ጅቡቲን ኤርትራን ተዋፊሮም ዝነበሩ 400 ወተሃደራት ብሃንደበት ስሒባቶም። እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ውሽጢ መሬት ጅቡቲ ኣብ 2008 ንክልተ መዓልቲ ኵናት ኣካይደን ኔረን እየን። ኣብዚ ጕዳይ'ዚ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ወራሪት ከምዝነበረት ኣረጋጊጹ እዩ። ክልቲኤን ሃገራት ብቀጠር ክሽምገላን፡ እቲ ዶባተን ድማ ብወተሃደራት ቀጠር ክሕሎን ተሰማሚዐን ኔረን። ከም ውጽኢት እቲ መስርሕ ዕርቂ፡ ኣብ 2016 ኤርትራ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ኣርባዕተ ምሩኻት ኵናት ጅቡቲ ነጻ ለቒቃ ኔራ። እንተዀነ፡ ጅቡቲ ኤርትራ ገና ሓያሎ እሱራት ሒዛትለይ ኣላ ኢላ ትኸስስ። ብጠለብ ጅቡቲ መሰረት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ሓደ መጻረዪ ጕጅለ ናብቲ ዶባት ኤርትራን ጅቡቲን ክሰድድ እኳ እንተወሰነ፡ ኤርትራ ነዚ ውሳኔ መልሲ ኣይሃበትሉን። ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እቲ ዶባት ጽጥ ኢሉ (ብዘይ ኵናት) ይርከብ።   

ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ገና ኣብ ወጥሪ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ 2017 ግና ዝኾነ ተርእዮታት ኵናት ኣይነበረን። እተን ክልተ ሃገራት ኣብ 1998-2000 ደማዊ ዝዀነ ዶባዊ ኵናት ኣካይደን ኔረን እየን። ኢትዮጵያ ድማ ንከተማ ባድመ ሓዊስካ በቲ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ዶብ ከም ናይ ኤርትራ መሬት ዝወሰኖ ሓያሎ ቦታታት ሒዛ ትርከብ ኣላ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ድማ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ "ኣይሰላም ኣይኵናት" ዝዀነ ሃዋህው ነቲ ጨፍላቒ ዝኾነ ውሽጣዊ ሽርሕታቱ ይጥቀመሉ ኣሎ። ሓደ ካብዚ ድማ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ። 

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ጸብጻብ ናይ ተዓዛቢ ጕጅለ ኤርትራን ሶማልን ምስምዑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ እንተወሓደ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ክቕጽል በይኑ። ኣብ 2017 ኤርትራ ደጊማ ምስ እዚ ጕጅለ'ዚ ከምዘይትተሓጋገዝ ኣነጺራ እያ። እቲ ጕጅለ ኤርትራ ንኣልሸባብ ኣብ ሶማል ኣጽዋር ከምእትሕግዝ ዘርኢ ጭብጢ ከምዘይብሉ ሓቢሩ እዩ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ብምጥሓስ፡ ንተቓወምቲ ጕጅለታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ምዕጣቕን ምስልጣንን ቀጺላቶ ኣላ። 

ኤርትራ ካብተን ኣብታ ሃገር ዘውፈራ ናይ ወጻኢ ኵባንያታት ዕደና፡ ካብ ወርቂን፣ ኮፐርን ዚንክን ኒከልን ዝተሓፍሰ ኣታዊ ትድልብ። መንግስቲ 40 ሚእታዊት ካብዘን ኩባንያታት ዝምንጩ ኣታዊ ዋንነት ኣለዎ። ክልተ ካብዘን ኩባንያታት ማለት SFECO Group’s Zara Mining Share Companyን Sichuan Road & Bridge Mining Investmentን ቻይናውያን ኩባንያታት ኮይነን፡ እተን ካልኦት ብፍላይ ከኣ ቢሻ ዝበዝሐ ክፋላ ብነቭሱን እትውነን ካናዳዊት ኩባንያ እያ።

ኩለን እዘን ኩባንያታት፡ ንህንጸት ትሕተ ቅርጺ ዘድልየን ነገራት መንግስታውያን ትካላት ብዘቕርብኦ ናይ ህንጻ ቀረባት ቅጥቀማ ይግደዳ። ብተዘዋዋሪ መንገዲ ድማ፡ ነጻ ጕልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይጥቀማ ማለት እዩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፡ ንሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ሰብ፡ ንነቭሱን ኣብ ብሻ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ ስለዝተጠቕመት ክኸሳ ፍቓድ ሂቡዎ።   

ወላኳ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢን ከምዘተኣታተወትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከምዘበለትን ዘርኢ ጭብጢ ከምዘየለ ፍሉጥ እንዳሃለወ፡ ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ወርሒ ሓምለ ነቲ ናይ 2015 ዝሓበቶ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ (238 ሚልዮን ዶላር) ሓገዝ ኰኒኑ ከብቅዕ፡ እቲ ሓገዝ ግን ቀጻሊ ኣሎ፡ እዚ ድማ ስደት ኤርትራውያን ደም ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ እዩ።