Skip to main content

ኢትዮጵያ

ፍፃመታት 2021 ብኣ.ኣ

ብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ፣ ናይ ፀጥታ ሓይሊታት ዝገብሩዎ ምግፋዕ፣ ብዕጡቓት ሓይሊታት ዝግበር መጥቃዕቲ፣ ኣብ ካልኦት ክልላት ዝነበረ ደማዊ ዓልየታዊ ጎንፂ ብኣቆፃጽራ ኣውሮፓ (ኣ.ኣ) ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ኩነታትን እናሓመቐ ኸይዱ። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲታት ማሕብረሰብ ዓለም ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ንኽህሉ ዝገብሮ ድፍኢት እናዓበየ ክመፅእ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።

ኣብ ትግራይ መንግስታዊ ሓይሊታትን መላፍንቶምን ብሓባር ህዝቢ ኣገዲድካ ምፍንቓል፣ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ኣዚዩ ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅ፣ ብኸቢድ ብረት ብኣልማሚት ምድብዳብ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዘተኮረ ናይ ንብረት ዘመተን ምዕናውን ፈፂሞም እዮም። ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ዝተፈጸመ ግፍዒ ናብ 350,000 ዝግመት ህዝቢ ንዓጸቦ ኣቃሊዑዎ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ሰነ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምስወፅአ መንግስቲ ንትግራይ ኣብ ክባ ብምእታው ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ከይኣቱ ገይሩ እዩ። ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብአዊነት ብምጥሓስን ምናልባት እውን ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ኣብ ደቂ ሰብ ገበን ኲናት ተፈፂሙ ከምዝኸውን ይግመት። እቲ ግጭት ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ክልላት እናሰፍሐ ብምኻያዱ’ውን ብመጠኑ ዓቢይ ዝኾነ ምፍንቓል ኣስዒቡ እዩ። ሓይሊታት ትግራይ እውን ኣብልዕሊ ሲቪላት ኣምሓራ ኣብ ዝተፈጸሙ በደላት ኢዶም ኣለዎ ተባሂሎም ይኽሰሱ።

መረፃ ዝተኻየደ ሓሳብካ ብናፃነት ምግላጽን ምውዳብን እገዳታት ኣብ ዝተገበረሉን ኣብ ዝተፈለላዩ ክልላት ሽግር ፀጥታ ኣብ ዝነበረሉን እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ሰነ እቲ ዘሎ ገዛኢ ውድብ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስልጣን ዘበን ዳግማይ ተመሪጹ ኣሎ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ እውን መንግስቲ ኣንፃር ዕጡቓት ጉጅለታት ወፍሪ እንተካይድ ብኹሎም ወገናት ኣብቲ ሕብረተሰብ ከቢድ በደል ተፈፂሙ እዩ። ኣብ ማሕበረሰብ ኣምሓራ ብዕጡቓት ጉጅለታትን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ብዕጡቓትን ዝበጽሕ ጥቕዓት ወሲኹ።

ንዝሓለፈን ሕጂውን ንዝበፅሕ ዘሎ ጥሕሰት መሰል ተሓታትነት ኣዚዩ ትሑት እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘረፋን ፆታዊ ጥቕዓትን ዝተዋፈሩ ኣካላት ከምዘለዉ ይእመኑ እምበር ክብደት ናይቲ ዝተፈፀመ በደል ኣናኢሶምዎ እዮም። መንግስቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝኣተወ ንኣዋርሕ ዝኣክል ብምኽሓድ ዓለምለኸ ምርመራታት ከይካየድ እናተቓወመ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት እቲ ብመንግስቲ ዝተሾመ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (OHCHR) ብሓባር ኣብ ዝገበሩዎ መፅናዕቲ ኣብ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ሕግታት ሰብኣውነትን ስደተኛታትን ብኹሎም ወገናት ሰፊሕ ጥሕሰት ተፈጺሙ እዩ ክብል ዝደምደመ ኰይኑ ገለገሊኦም ዓለምለኸ ገበናት፣ ብፍላይ ድማ ገበናት ኲናትን ገበናት ሰብኣዊነትን ተፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ግርጭት ትግራይ

ፌዴራል ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቱ ዝኾኑ ሓይሊታትን ኣብ ትግራይ ሰፊሕ በደል ፈጺሞም እዮም።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሓይሊታት ክልል አምሓራን ሚሊሻታቶምን ብዙሕ በደላት ፈጺሞም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ብኣስገዳድ ካብ መረበቶም ኣፈናቒሎምዎም እዮም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ማእኸላዊ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ኣብ ዙሪያ ማህበረዴጎ ኣብ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ቁሸታት መትቃዕቲ ብምኽፋት ብደርዘን ዝቑጸሩ ዘይተዓጠቑ ሲቪላት ኣኪቦም ቐቲሎም እዮም። 23 መጋቢት እውን ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ትግራይ ተሳፈርቲ ካብ ናይ ህዝቢ አውቶቡስ ክወርዱ ብምግዳድ ኣወዳት ካብ ደቂ ኣንስቲዮ ብምፍላይ እንተነኣሰ ኣርባዕተ ኣወዳት ቐቲሎም። 22 ሰነ እውን ኣብ ማእኸል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ቶጎጋ ኣብ ማእከል ዕዳጋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያዱ እንተነኣሰ 51 ሰባት ከምዝሞቱ ብርክት ዝበሉ እውን ከምዝቆሰሉን ይፍለጥ። ኣብ ጥቅምቲ እውን መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ደብዳብ ቀፂሉ እዩ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ  እምበር ናብ ትግራይ ዝወስዱ መንገዲታት ዓፂዮም ሓሓሊፉ ጥራይ ሰብአዊ አገልግሎት ፈቒዶም። ኣብ ትካላት ጥዕና ዕንወትን ዘረፋን ስለ ዝበጽሐ ድማ ምስቲ ግጭት ተተሓሒዙ ጾታዊ ጥቕዓት ዝወረዶም ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

28 ሰነ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ምስ ተሸነፈ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ይወፅእ ኣሎ ዝበሉዎ ሰራዊቶም ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ኣብ መቐለ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዩኒሴፍን ደብሊዩ ኤፍ ፒን ብምእታው መሳርሒ መራኸቢ ዘሪፎም እዮም። ካብቲ እዋን ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሕቡራት መንግስታት “ወድዓዊ” ኢሉ ዝጸውዖ እገዳ ኣንቢሩ ይርከብ። ብወርሒ መስከረም ድማ ኣቕርቦት ፀዓትን ነዳዲን ኣብ ሓደገኛ ዝተሓተ ብርኪ በፂሑ፣ መራኸቢን ኣገልግሎት ባንክን  ተዓፂዮም፣ ከምኡውን ተበፃሕነት ገንዘብ ብጣዕሚ ውሱን ኮይኑ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኢትዮጵያ ንካውንስል ስደተኛታት ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ከምኡ’ውን ኣል ማክቱሜ ፋውንዴሽንን ሓዊሱ 3 ዘይመንግሥታዊ ትካላት (መያድ) ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣጊዳ እያ። ብኣ.ኣ 30 መስከረም እውን ኢትዮጵያ ሸውዓተ ዝለዓሉ ሰበ ስልጣን ትካላት ሕቡራት መንግስታት ካብ ሃገራ ኣባሪራ እያ። እቲ ጭት ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ 23 ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ተቐቲሎም እዮም። ካብዚኦም ኣብ 24 ሰነ ዝተቐተሉ ሰለስተ ሰራሕተኛታት MSF ይርከቡዎም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ እቲ ግርጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፍሑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተፈናቒሎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ኣምሓራ ኣብ ዝወረደ ግፍዒን መቕተልቲን ከምኡውን ኣብ ምዝራፍ ንብረት ዜጋታትን ሓይሊታት ትግራይ ኢዶም ኣለዎ። 5 ነሓሰ ኣብ ጋሊኮማ፣ ዓፋር፣ ኣብ ጥቓ ቤት ትምህርትን ትካል ጥዕናን ብደርዘን ዝቑጸሩ ንፁሃን ዜጋታት ተቐቲሎም፣ ቆሲሎምን ተባሂሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ውግእ ተጋዲዱ። ኣብ ነሓሰን መስከረምን ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ጭናን ቆቦን ንተወለድቲ ኣምሓራ ብጅምላ ቕትለት ዝፈፀሙ እንትኸውን ኣብ ንፋስ መውጫ እውን ብጉጅለን ብምግዳድን ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም።

ካብ ትግራይ ወፃኢ እውን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ አዲስ አበባ ዝነብሩ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ሕጊ ብዘይፈቕዶ እናተትሓዙ፣ ብኣስገዳድ ክስወሩ ተገይሮም፣ ተካላት ንግዶም ብዘይሕጊ ተዓጺዮም። መንግስቲ ኣብ 4 ሕዳር ንዝኣወጆ ኣጠቓላሊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ስዒቡ እውን ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ዝካየድ ማእሰርቲ ንሂሩ እዩ።

ምግፋዕ ብሓይልታት ፀጥታ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ጉጅለታት፣ ግጭት ማሕብረሰብ

ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘይብሎም ካልኦት ክልላት ዘይሕጋዊ መቕተልቲ፣ ጅምላዊ ማእሰርቲ፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት መጥቃዕትታት ተፈፂሙ እዩ።

ኣብ ኦሮሚያ፣ ንቲ ዕጡቕ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ (OLA) ደጊፍኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰላማውያን ተወለድቲ ኦሮሞ ማእሰርቲ፣ ምሕዩርን መቕትለትን ኣመልኪቱ ፀብፃባት ምውፃእ ቀፂሎም እዮም። ኣብ ወርሒ ጉንበት እውን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ደምቢ ዶሎ ሓይሊታት ጸጥታ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ብሓይሊ ብምሓዝ ኣብ ኣደባባይ ክቕተል ተገይሩ።

ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ መቕተልቲን ዘረፋን ሓዊሱ ኣብ ሰበ ስልጣን፣ ፖሊስን ሰላማዊ ሰባትን መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ባቦ ገምበል ዕጡቓት ኦሮሞ እንተነኣሰ 28 ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝቐተሉን ልዕሊ 10 ከምዘቑሰሉ ተጸብጺቡ እዩ።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብፖለቲካን ብመሬት ምሕደራን ዝተበገሰ ውጥረት ናዕቢ ክጋደድ ገይሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ተወለድቲ ኣምሓራን ተወለድቲ ካልኦት ብሄርን ብዑጥቓት ዝበጽሕ መቕተልቲ ተጋዲዱ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢማም ዝተፈጸመ መቕተልቲ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያን ግርጭት ሕድሕድ ተፈጡሩ እዩ። ኣብዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ከምዝሞቱ፣ ልዕሊ 200,000 ህዝቢ ከምተፈናቐለን ከቢድ ዕንወት ንብረት  ከምዝበጽሐን ተነጊሩ። ወታደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያን  ዕጡቓት ኣምሓራን በቢቁሸቱ እናኸዱ መጥቃዕቲ ብምፍፃሞም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ቅማንት እውን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።

ኣብ ሞንጎ ዓፍርን ማሕበረሰብ ሶማሌን ዝተበገሰ ግጭት ተጋዲዱ ብክልቲኡ ወገን ዑጡቓት ሓይሊታት እተን ክልላት ከምዝተሳተፉ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሓምለን ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱን ብኣሽሓት ቅቑጸሩ ከምተፈናቐሉ ፀብፃባት የረድኡ።

መረፃን ፖለቲካዊ ምሕደራን

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንክልተ ግዘ ምስተናውሐ ኣብ ክልተ ክፋል እዩ ተኻይዱ። እቲ ናይ መጀመርታ፣ ኣብ 21 ሰነ ኣብ ኣብዛሓ ክልላት መረፃ ተኻይዱ እዩ። እቲ ናይ ድምፂ ኣዋህባ ስርዓቱ ስሕተት ነይሩዎ ዝተብሃለ ካልኣይ ድማ ኣብ ክልላት ሶማሌን ኣብ ሃረሪን ኣብ 30 መስከረም ከምተኻየደ፣ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ (SNNPR) እውን ኣብ 12 ጣቢያታት መረፃ ተኻይዱ እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ገለገለ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ቤንሻንጉል ጉምዝን ብምኽንያት ሽግር ፀጥታ ድምፂ ምሃብ ኣይተኽኣለን።

ኣብ 10 ሓምለ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ውድብ ብልፅግና ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብልጫ ድምፂ ብምርካቡ ስዒሩ ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ። ኣብ 4 ጥቅምቲ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ንቶም ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስራሕ ዘበን ቃለ ማሕላ ፈፂሙ።

ካብ ዝሓለፈ እዋን ዝበዝሑ ውድባት ዝተወዳደሩሉን ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ተፈናቐልቲ እንተይተረፉ ድምፆም ዝሃቡ እንትኸውን ኣብ ዝበዝሑ ክልላት ቅድሚ እቲ መረፃ ዝነበረ እዋን እንትርአ ግን ህውከትን ሽግር ፀጥታን ሓዊሱ ኣብ ተነሓናሕቲ ውድባት ዓፋኒ ምህዳርን ኣሰራርሓን ኣሎ ዝብሉ ክሲታት ቀሪቦም ነይሮም።

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብ ወርሒ ለካቲትን ማዚያን ክልተ ተቓወምቲ፡ ኢዜማ ዝወከሎ ግርማ ሞገስን፣ ናይ ኣብን ተወካሊ ዝኾነ በሪሁ ኣስፈራውን ከምተቐተሉ ይፍለጥ።

እቶም ቐንዲ ተነሓናሕቲ ዝበሃሉ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ከምኡውን ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንሰዓብቶም ብምፍርራሕን ብምእሳርን ካብ መረፃ ዓርሶም ከግለሉ ብምግባር ውድብ ብልፅግና ኣብቲ ሰፊሕ መረፅቲ ዝርከብሉ ክልል ኦሮሚያ ብዘይ ተነሓናሒ መረፃ ኣካይዶም ስዒሮም እዮም።

ኣብ 17 መስከረም ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን  (ኦብነግ) ኣብ ክልል ሶማሌ ዝቕረቦም ሕፁያት ተወዳደርቲ መጥቃዕቲ ስለዝወረዶም ንሶም’ውን ካብ መረፃ ንዓርሶም ኣግሊሎም እዮም።

ገዛኢ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ውድብ ብልፅግና ኣብ ክልሉ ክብድ ዝበለ ንሕንሕ ዝገጠሞ እንትኸውን ተቓወምቲ ብሚሊሻታትን ሰበ ስልጣንን ምፍርራሕን ክትትልን ከምዝበጽሖም ብርክት ዝበሉ ቅሬታታት ኣቕሪቦም እዮም።

መሰል ግቡእ ከይዲ ፍትሕን ቅኑዕ ፍርድን  

ኣብ 27 ጥሪ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ክሪኡ ዝመፅኡ ደገፍቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ብደርዘናት ኣሲሮም እዮም። ኣብዚ እዋን ፳ ዝለዓሉ እሱራት ፖለቲካ ኦሮሞ ንቲ ማእሰርቲ ተቓዊሞም ናይ ምግቢ ምሕሳም ተቓውሞ ጀሚሮም። ብዙይ ምኽንያት ፖለቲከኛ ኦሮሞ ዝኾነ በቀለ ገርባ ኩነታት ጥዕናኡ እናሓመቐ ከይዱ፡፡ ኣብ ወርሒ ለካቲቲ ናብ ውልቀ ሆስፒታል ቐይሩ ሕክምና ክገብር ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ ሰበ ስልጣን ስለዘይተቐበሉዎ ብኣስገዳድ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ብምውሳድ ንሓፂር እዋን ኣፅኒሖምዎ እዮም።

መራሒ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያውያን (ኢዴፓ) ዝኾነ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ንሕክምና ካብታ ሃገር ከይወፅእ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ንሰለስተ ግዘ ከልኪሎምዎ እዮም። ንዚ ድማ ኣይተ ልደቱ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምቅዋሞምን ካሊእ ተወሰኽቲ ምኽን ያታትን ምጥቃስ ይከኣል እዩ።

ኣብ 14 ለካቲት ሓይሊታት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ከተማ ጅማ ተመራቒ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ መሓመድ ደኪሶ አሱራት ፖለቲካ ኦሮሞ ይፈትሑ፣ ንቕትለት ኪነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ እውን ፍትሒ ይውረድ ኢሉ ብምዝራቡ ተኣሲሩ እዩ። መሓመድ ቅድሚ ምፍትሑ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ከቢድ ናይ መሰል ጥሕሰት ኣብ ልዕሊኡ ተፈፂሙ እዩ።

ሓሳብካ ናፅነት ምግላፅ፣ መራኽቢ ሓፋሽን  መሰል ምውዳብን

መንግስቲ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምኡውን ሓሳብካ ብናፅነት ምግላፅን ኣመልኪቱ ዝገብሮ መጥቃዕትን እገዳታትን፣ ወሲኹ ኣሎ፡

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዳዊት ከበደ ኣርአያ ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ኣብ መቐለ ብሓይሊታት መንግስቲ ብዝተተኮስ ጥይት ተቐቲሉ እዩ። ኣብ ወርሒ ጉንበት እውን ግዜጠኛ ብሮድካስት ኔትወርክ ኦሮሚያ (OBN) ዝነበረ ሲሳይ ፊዳ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ተቐቲሉ።

ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተተሓሒዙ ዝፍጸም ጥሕሰት መሰል ዜጋታት ዘቓልሑ ወይ ድማ ዝነቕፉ ጋዜጠኛታትን ወከልቲ ህዝብን ምፍርራሕ፣ ካብ ሃገር ምብራርን ማእሰርትን በፂሑዎም እዩ። ፩፭ ሓምለ ሰበ ስልጣን መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ናይ ህወሓት ኣጀንዳ የሰጉም ኣሎ ዝበሉዎ ኣዲስ ስታንዳርድ ንግዚኡ ዓፂዮም ነይሮም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓይሊታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ሚዲያን ሓደ ጋዜጠኛን ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ንሓፂር እዋን ኣሲሮም ነይሮም። ኣብ ወርሒ ሓምለ እውን መጀምርታ 10 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ኣውሎ (AWLO) ሚዲያ፣ ከመኡውን ክለተ ጋዜጠኛታት ኢትዮ ፎሮም (Ethio Forum) ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቅድሚ ምፍትሖም ንሰሙናት ኣብ ዘይፍለጥ ኩነታት ተታሒዞም ነይሮም።

ኣብ 30 መስከረም ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር በዓል ስልጣን ዝነበረ ኣብርሃ ደስታ ሓይሊታት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝበፅሑዎ ዝነበሩ ማእሰርቲን ኣድላዊ ኣሰራርሓን ዝኹንን ግልፂ ደብዳቤ ብምውፅኡ ተኣሲሩ እዩ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ 4 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ዝፍጸም ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣውፂኦም እዮም። ንዚ ስዒቡ ከም ሓደጋ ዝረኣዩ ኣባላት ማሕበረሰብ ብጅምላን ብዘይሕጋዊ ኣገባብን ንምእሳር መንግስቲ ዘይተገደበ ስልጣን ብምርካቡ ብምውሳኹ ሰብኣዊ ምንቅስቓስ ክዘሓሓል፣ መራኸቢ ብዙሃን ናፃ ኮይኖም ከይሰርሑ፣ ንመሰል ደቅ ሰባት ዝጣበቑ ኣካላትን ትካላትን ክሽቑረሩን ገለ መሰል ዝጥሕሱ ሓይሊታት ፀጥታ ክዕንድሩን ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ኢንተርኔት ኣፂዩዎ ይቕፅል ኣሎ። ርክብ ስልኪ እውን ክሳብ ሰነ ሓሓሊፉ ይሰርሕ’ኳ እንተነበረ መሊሱ ተዓፂዩ ኣሎ።

ስደተኛታት

ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ክሳብ ጥሪ 2021ን ዝነበረ እዋን ሰራዊት ኤርትራን ዕጥቓት ትግራይን ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ሕፃፅን ሽመልባን ዝተብሃሉ መዓስከር ስደተኛታት ብምእታው መቕተልቲ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ማእሰርቲ፣ ምስዋርን፣ ዘመተን ኣብ 20,000 ዝግመቱ ነበርቲ ኤርትራዊያን ሰደተኛታት ፈፂሞም እዮም።  ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰራዊት ኤርትራ ንቲ መዓከር ሽደተኛታት ዝዓበየ ክፍሉ ኣዕኒዮምዎ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ ባዶ ኮይኑ። ኣብ መፋርቕ ሓምለ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ናሰርሓ ኣብ ዝነበራ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝተብሃላ ክልተ መዓሰክር ስደተኛታት ብዝተገበረ ውግእ ምኽንያት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንህዝጹ ሓገዝን ሓለዋ ድሕንነቶም ዝጠልብ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ።

ክሳብብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝስደዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ዓይነት ሓለዋ ኣይረኸቡን። ኣብ መወዳእታ ትካል ጉዳያት ስደተኛታት ኢትዮጵያን (ARRA) ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (UNHCR) ብምትሕብባር ንቶም ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰደዱ ኤርትራዊያን ናይ ሰለስተ ዓመት ግዚያዊ መለለይ መንነት ሰነድ ክረኽቡ ተገይሩ እዩ።

ቐንዲ ዓለም ለኸ ተዋሳእቲ

ኢትዮጵያ ምስ ሓደሓደ ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ጎርባብቲ ሃገራትን ገበርቲ ሰናያትን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ግርጭት ምኽንያት ዝነበራ ርክባት እናሓመቐ መፂኡ እዩ። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ዝተፈጠረ ቕልውላው ናይ ምፍታሕ ዓቕሙ ብቻይና፣ ብሩሲያን ህንዲን ኣዚዩ ዉዱቕ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ኬኒያ፣ ኒጀርን ቱኒዚያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ተኹሲ ደው ናይ ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ ኩነታት ክፍጠር ሓቲተን፣ ብኣተሓባባሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (ACHPR) ዝምራሕ ምርመራ ክካየድ ዝቐረበ ሓሳብ እውን ደጊፈን ነይረን። ይኹን እምበር  ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዞም ዝቐረቡ ሓሳባት ብዙሕ ዘተባብዕ ስራሕ ኣይሰርሐን።

ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ዝዋግኡ ኩሎም ወገናት ዝፍጽሙዎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ኮኒኑ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ “ምፅራይ ዓሌት” ክብል ገልፂዎ እዩ። ኣብ 18 መስከረም 2021 ንቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተጠየቕቲ ኣብ ዝበሎም ውልቀሰባትን ኣካላትን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ኮነ ኢሎም የዐንቅፉ ኣብ ዘለዉ ውልቀሰባትን ኣካላትን ማዕቀብ ንምግባር ሕጊ ኣውፂኡ ንተፈፃምነቱ ትእዛዝ ኣውሪዱ እዩ።

15 ጥሪ፣ ሕብረት ኣውሮፓ 107 ሚሊዮን ዶላር፣ መንግስቲ እንግሊዝ እውን 75 ሚሊዮን ፓውንድ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ሂቦም። መራሕቲ እንግሊዝን ኣውሮፓን ንቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ በደል እውን ብተደጋጋሚ ኮኒኖም እዮም። ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ ዝኾና ሃገራት እውን ከልካሊ ወይ ከኣ ገዳቢ ዝኾኑ ስጉምቲታት ንኽወስዱ ኣታሓሳሲቦም እዮም። ኣብ ወርሒ ግንቦት እውን መረፃ ምዕዛብ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ሕብረት ኣውሮፓ ካብቲ ከይዲ ንዓርሱ ኣግሊሉ እዩ። ኣብ 4 ጥቅምቲ 2021 ፓርላማ ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ዘዐንቅፉ ማዕቀብ ክግበር፣ ኣብ መሳርሒ ኲናት እገዳ ክግበር፣ ንቲ ዝተፈጸመ ገበን ዝምርምር ዓለም ለኸ ናይ ምርመራ መስርሕ እውን ክጣየሽ ውሳነ ኣፅዲቑ። 18 ጥቅምቲ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከንብሩዎ ዒላማ ዝገበረ ማዕቀብ ክዳሎ ተሰማሚዖም።

እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኸየደ መረፃ እንኮ ተዓዛቢ ኮይኑ ዝቐረበ ዓለም ለኻዊ ኣካል ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓን ሽግራት ፀጥታን ዋላኳ እንተነበረ እቲ መረፃ ተኣማኒ ነይሩ ኢሉ ምኣዋጁ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (OHCHR)  ኮሚሽን ሰብኣዊ መስላት ኢትዮጵያን (EHRC) ብሓባር ኮይኖም ካብ 3 ሕዳር 2020 እስካብ 28 ሰነ 2021 ኣብ ትግራይ ዝተኻይደ ግርጭት ብኹሎም ኣካላት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብምምርማር ፀብፃብ ኣውፂኦም። እቲ ዝወፅአ ጸብፃብ ኣጠቓላሊ ምርመራ ከምዘይኮነ ብምእማን ተወሳኺ ዘይሻራዊ ምርመራን ተሓታትነትን ክህሉ ጠይቖም ኣለው።

ኮሚሽን መሰላት ደቅሰብን ህዝብታትን ኣፍሪካ (ACHPR) ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ዝምርምር ኮሚሽን ኣጣይሹ። ንዚ ስዒቡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እዚ ኮሚሽን ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ፀዊዖም፣ ኣብ ክንድኡ ምስ ኮሚሽን ሰበኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሓባር ምርመራ ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቦም እዮም። ይኹን እምበር እቲ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ናፅነቱ ዝህልዎ ኣሉታዊ ፅልዋ ብምፅራሕ ንቲ ሕቶ ኣይተቐበሎን።

ምስ ግብፂን ሱዳንን ዘሎ ርክብ ውጥረት ነጊሱዎ ይቕፅል ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ ብምኽንያት ኣብ ግዝኣት ኣል ፋሻጋ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ኮይኑ እቲ ኩነታት ተጋዲዱ ብርክት ዝበሉ ጎንፂታት ኣስዒቡ እዩ።