Skip to main content

ኤርትራ

Events of 2019

ስእላዊ ሓበሬታ © ዲጂታልግሎብ - ማክሳር ቴክኖሎጂስ 2019; ምንጪ: ጉግል አርዝ።

ንዕስራ ዓመታት፡ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ናይ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ዘይምንባሩ ብምምዝማዝ ገባርን ሓዳግን ንኽኸውን ምኽንያት ኮይንዎ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ዋላ’ኳ ነቲ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ እንተቐየሮ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ከም’ቲ ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ኣብ ክንዲ ኣወንታዊ መቐይሮ ምግባር ናብ ሓደ ናይ ዓለም ዕሉላት ጬቆንቲ ዝኾና ሃገራት ዘዚዩ።

እቲ መንግስቲ፡ ንኤርትራውያን፥ ብትሑት ክፍሊትን ኣብ ዓይነት ሞዮኦም ኮነ ኣብ ዝምደቡሉ ናይ ስራሕ ቦታ ክሓርዩሉ ብዘይክእልሉ ኣገባብን መብዛሕቱ ግዜ ከኣ ኣብ ዓመጽ ብዝተመርኮሰ ኣካያይዳ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ኣገልግሎታት ብኣስገዳድ ምዕስካርን እቕጽል ኣሎ። እቲ መንግስቲ ንኤርትራውያን ካብ ቤተሰቦም ብምንጻልን ብዘስካሕክሕ መገዲ ብዘይ ፍርድን ብናይ ዝለዓለ ቁጽሪ ምእሳርን ካብ’ቶም ዕሉላት ምዃኑ ኣርእዩ። ናይ’ቲ ዝተባህለ ናይ ሓድሽ ናይ ወንጀል ሃለወ ኣካል መምርሒ እውን እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ዘርኢ ጭብጢ የለን።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ሲቪካውያን ማሕበራት ክምስረታ ኣይከኣላን። እተን ናጻ ዝኾና ናይ ብሕታውያን ማዕከናት ሓበሬታ እውን ካብ 2001 ጀሚረን ተዓጺየን እየን ዘለዋ። እቲ መንግስቲ ናይ ምርጫ መደብ ኣየውጽአን፡ ነቲ ዓንዲ ውሕስነት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነን ንናይ ስልጣን መሰረተ ገደብ ዝገብርን ናይ1997 ቅዋም ኣብ ግብሪ ኣየውዓለን። እቲ መንግስቲ ንናይ ሃይማኖታውያን ትምህርትታት ሃጊሩ ንናይ ካቶሊኻዊ ማእከላት ጥዕና ዓጺዩ

ኤርትራ ኣብ መጀመሪያ ናይ ወርሒ ጥሪ ከም ኣባል ናይ ውድባት ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣማኻሪት [United Nations Human Rights Council (HRC)] ኮይና ምምራጻ ነቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ናይ ውዱባት ሕቡራት ሃገራት ንናይ ሰብኣዊ መሰላት መስፈርትታት ውዕል ተኽብር ኮይና ኣይተረኽበትን። እኳ ድኣ፡ ነቲ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ይኹን ንኹሎም ተዓዘብቲ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኣብ`ቲ ዓዲ ናይ ምብጻሕ ፍቓድ ኣጊዳ ትርከብ ኣላ። ሽሕ’ኳ ኤርትራ ብዙሕ ተቓውሞ እንተስመዐት መዝነት ናይ`ታ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራን ሃገራት ክሳብ ወርሒ ሓምለ ተናዊሑ ኣሎ።

ናይ ኤርትራ ዘይፍትሓውነት፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ በሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ መብዛሕቶም

 ህጻውንቲ፡ ብቐጻሊ ናብ ስደት ንኽውሕዙ ይድርኽ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ናይ 2018፡ 507.300 (ማለት 10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ) ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ከምዝተሰዱ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽን (UNHCR) ይሕብር።

ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ናይ ኣስገዳድ ሸቕልን

መብዛሕቶም ኣወዳትን ዘይተመርዓዋ ኣዋልድን፡ ዋላ`ኳ እቲ ኣዋጅ ን 18 ኣዋርሕ ዝናዋሕ ኣገልግሎት ምዃኑ እንተስመረሉ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ናይ ገደብ ኣልቦ ሽቕለት እዩ። ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ገሊኦም ዕስኩራት ናብ ወተሃደራዊ መደባት ይውዝዑ፡ ግና በቲ ናይ

 መንግስቲ ኣጋላልጻ፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት፡ ካብኡ ዝተረፈ ኣብ መንግስታዊ ሕርሻ ወይ ኣብ ናይ ህንጻ ንድፊ ዕዮታት ይምደቡ። ሓድ-ሓደ ዕስኩራት ኣብ ብወጻእተኛታት ዝውነና ናይ ማዕድን ትካላት ንድፊ ዕዮ ክሽቅሉ ይግደዱ።

እቶም ዕስኩራት ድማ ናብ ኢሰብኣውን ዘዋርድ መቕጻዕቲ ይዳረጉ፡ ንይግባይ ዘይበሃሎ ዘሳቒ ማህረምቲ ከይተረፈ ይቃልዑ።

ወላ`ኳ እቲ መንግስቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ንገለ ካብ`ቶም ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጉሉሕ ወሰኽ ደሞዝ እንተገበረ፡ ብሰንኪ ናይ`ቲ መንግስቲ ኣስዒብካ ምጉዳልን ደሞዝን ናይ ባጤራ ክቱር ቁጽጽርን፡ እቲ ዝኽፈሎም ገንዘብ ኣንባይዶ ንስድራ ቤቶም ከማሓድሩሉስ ነዛ ንርእሶም እኳ ክነባበሩሉ ኣብዘይክእሉ ኩነታት ይርከቡ። ቅኑዕ ተቓውሞ ቅቡል ኣይኮነን፡ የቕጽዕ እዩ`ውን። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምጥያስ ዘኽእሉ ቅጥዕታት ተጋራጨውትን ዘይንጹራትን እዮም።

በቲ ሕጋዊ ኣካያይዳ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ዓመት ይጅምር፡ እንተኾነ ኣብ ከተማታት ቆልዑ ኣብ እዋን “ግፋ” ምስ ዓበይቲ ተወሲዶም ኣብ ናይ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ይስደዱ።

መሰል ትምህርቲ

ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ገሊኦም ደቂ 16ን 17ን፡ እታ ናይ 12 ክፍሊ ናይ ትምህርቶም መዛዘሚ ዓመት ናብ ሳዋ፡ ናብ`ታ ብግፍዒ ዝተሓዙላ ናይ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ መዓስከር ክኸዱ ይግደዱ፣ ቅድሚ ኣብ ውትህድርና ወይ ኣብ ዝተፋላለየ በርጌሳዊ ኣገልግሎት ምምዳቦም ብወተሃደራዊ ኣካያይዳ እንዳ ተመሓደሩ ናይ 12 ክፍሊ መርመራ ይገብሩ። ሽሕ`ኳ ብዙሕ ናይ ለውጢ ጠለብ ተጌሩ እንተኾነ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓደ ጉጅለ ተመሃሮ ናብ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስልጠና ሰዲዱ እዩ።

ኣብ ሳዋ፡ እቶም ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ነቶም ተመሃሮ ንኢሰብኣዊ መቕጻዕትን ውርደትን የቃልዕዎም። ኣዋልድን ደቀንስቲዮን ንጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛን ዝተቓልዓ እየን። እቶም ተመሃሮ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ሳዋ ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ንክሽቅሉ ይግደዱ እዮም።

ሽሕ`ኳ እቲ መንግስቲ ናይ ትምህርቲ ትካላት ንኸመሓይሽ መብጽዓታት ኣቲዩ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ብምልእታ ሃገር ምምህርና ብዕስኩራት ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዕስኩራት ከኣ ዝምህሩሉ ቦታ ኮነ እቲ ናይ ኣገልግሎቶም ግዜ ንኽውስኑ ዕድል ኣይወሃቦምን እዩ። ካብ ቁጽጽር ዝወጸ ናይ ካብ ትምህርቲ ምብኳር፡ ነቲ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ይሃሲዮ ኣሎ።

ናይ ሃይማኖት ነጻነት

እቲ መንግስቲ ንኣርባዕተ ሃይማኖታት ጥራይ “ተቐቢሉ” እተን ብዙሕ ተኸተልቲ ዘለውወን ከም ሕጋውያን ቆጺሩ፥ ሱኒ

እስልምና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶዶክስ፡ ናይ ሮማ ካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያንን ኢቫንጀሊካዊት (ከንሻ) ቤተክርስቲያን እየን።

እቶም ብመንግስቲ “ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም” እምነታት ዘምልኹ ኤርትራውያን፡ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ገዝኦም ብሃንደበት ብምእታው ንማእሰርትን ማህረምትን ክዳረጉ ይኽእሉ እዮም፣ ካብ ቤት ማሕቡስ ንኽወጹ ብጽሑፍ ካብ`ቲ እምነቶም ከምዝወጹ ንኽፍርሙ ይግደዱ። ናይ 2019 ጸብጻባት`ውን ከም`ቲ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከረንን ኣስመራን ሃንደበታዊ መጥቃዕትታት ከምዝተኻየዱ ይሕብሩ።

ንናይ ጀሆቫ መሰኻኽር ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ናይ ነጻነት ረፈረንደም ንምስታፍ ብምንጻጎም ግዳያት ኮይኖም ጸኒሖም እዮም። ሓምሳን ክልተን እሱራት ናይ ጀሆቫ መሰኻኽር ኣብ ናይ ማይ ስርዋ መዳጎኒ ማእከል ኣብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይንገር፡ እንኮላይ እቶም ሰለስተ ካብ ናይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዝተቖጠቡ ካብ 1994 ጀሚሮም ተኣሲሮም ይርከቡ።

እቲ መንግስቲ ዋላ ነተን ኣርባዕተ ዝተቐበለን ኣርባዕተ ሃይማኖታት ብተወሳኺ ነቲ ንጥፈታተን ቀይዲ ጌሩለን ይርከብ። ኣብ ወርሒ መስከረም ንሸውዓተ ምስ ሃይማኖት ምትእስሳር ዘለወን ኣብያተ ትምህርትታት፥ ናይ ካቶሊኽ፡ እስላምን ከንሻን ሃጊሩ።

;ኣብ ወርሒ ሰነ፡ እቲ መንግስቲ ካብ`ተን ብካቶሊኻዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ናይ ጥዕና ማእከላት ንሕሙማተንን ኣብኡ

 

 ዝነብራ ደናግልን ሰጒጉ ነቲ ንብረት ሃጊሩ። ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤርትራ ፍልይቲ ልእኽቲ፡ ብዛዕባ ምህጋር ናይ`ዘን ትካላት ሻቕሎታ ከም`ዚ ዝስዕብ ትገልጾ፡ “ነቶም በዚ ጉዳይ ዝተጸልዉ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ዓበይቲ ከተማታት ርሒቖም ኣብ ቁሸታት ዝነብሩ ህዝቢታት ንናይ ጥዕና መሰሎም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ”። እዚ ምህጋር ንብረት እታ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ድሕሪ እቶም ኣቡናት ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ መንግስቲ ሕግን ፍትሕን ዘማእክልን ነቲ እንዳበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ደረጃ ስደት ዝገትእ ሓደ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ሓዘል ዘቃልሕዎ ደብዳበ ዝተኸስተ ኩነት እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነታ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየት ሃይማኖታዊት ተቛም፡ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶግሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ 2007

ጀሚሩ፡ ንኣቡነ ኣንጠኒዮስ ድሕሪ ካብ ስልጣን ምውራዱን ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር ምቕያዱን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእቲዋ። ኣብ

;ወርሒ ሓምለ፡ እቶም ፓትሪያርክ ካብ ቀኖና እታ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ፡ ብመንግስቲ ዝተሾሙ ተራዓለማዊ ትመሓደር ከምዘላ ምስ ሓበሩ፡ ሓሙሽተ ካብ`ቶም ሽዱሽተ ኣቡናት እታ ኦርቶዶግሳዊት ቤተክርስቲያን፡ ነቶም ፓትሪያርክ ብመናፍቕነት

ብምውንጃል ካብ ቤተክርስቲያን ንኽባርሩ ውሳኔ ምሃቦም መራኸቢ ብዙሓን ሓቢረን። ኣብ`ታ ንፓትሪያርክ ትምልከት ናይ ውግዘት ደብዳበ ወላ ንስሞም ዝጠቐሰ መቕጻዕቲ ከምዝዕቦ የፈራርሕ። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ሓሙሽተ ንፓትሪያርክ እንጦኒዮስ

;ዝደገፉ ኣቕሽሽቲ ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ።

ዘይሕጋውያን፡ ጎነጻውያንን ማእሰርትታት

ኤርትራውያን ብዘይ ፍርድን ናይ ይግባይ ምባል ዕድልን ናይ ማእሰርትን ናይ ነዊሕ ግዜ ማሕቡስን ግዳያት እዮም።

ኣብ ብሰብ ዘዕለቕለቑ ሼላታትን ኣብ ናይ መርከባት ኣቑሑት መጓዓዚያ ኮንተይኔራትን ማእሰርቲ ዝውቱር እዩ። መግረፍቲ ዘካተተ ሕማቕ ኣተሓሕዛ እሱራት ልሙድ እዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበርን ኣካያይዳ ፕረሲደንት ዝነቐፈን ብርሃነ ኣብርሀ ካብ መስከረም 2018 ጀሚሩ ኣብ ግሉል ማእሰርቲ ይርከብ። ብዓልቲ ቤቱ፡ ወይዘሮ ኣልማዝ ሃብተማሪያም እውን ኣብ መጀመሪያ ኣዋርሕ ናይ 2018 ተኣሲራ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተለቒቓ።

ብዙሓት ንመሪሕነት ኢሳያስ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተዉ ሰበስልጣናትን ጋዜጠኛታትን ኣብ 2001 ድሕሪ ግሉል ማእሰርቶም፡ ክሳብ ሕጂ ስድራ ቤቶም ኣብ ዘይፈልጥዎ ብጽኑዕ ተኣሲሮም ኣለዉ። ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ጓል ናይ ሓበሬታ ሚኒስቴር ነበር፡ ጓል 15 ዓመት ከላ ምስ ተኣስረት፡ ንሽዱሽተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ግሉል እሱር ቤት ተሓይራ ትርከብ።

ገለ ስድራ ቤታት፡ሬሳ እሱር ምስ ተረከቡ ጥራሕ እዩ ኩነታት መቕርቦም ናይ ምፍላጥ ዕጫ ዘለዎም። ናይ`ታ መንግስቲ ክህግራ ምስ ሓሰበ ብዙሕ ናዕቢ ዘላዓዓለት ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ኣል ዲያ ቤት ትምህርቲ ኣባል ፈጻሚት ኮሚቲኣ ነበር፡ ብግሉል መገዲ ተኣሲሩ ምስ ነበረ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ሓጺር እዋን ሬሱኡ ናብ መቕርቡ ተመሊሱ።

እቲ ስርዓተ ፍትሒ፡ ብኸፊል ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ኮይኑ፡ ናይ ምውሳን ነጻነት የብሉን። ኣብ መጋባእያ ንህዝቢ ዝጣበቑ ክኢላታት ሕጊ የለዉን

ናይ ምዝራብ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ብማሕበር ናይ ምጥርናፍን ናጽነት

ኣብ ኤርትራ፡ ናጻ ዝኾና ናይሓበሬታ ማዕከናት ካብ 2001 ጀሚረን ተኣጊደን። ናይ ጋዜጠኛታት ተኸላኸልቲ ኮሚቴ፡ ኤርትራ እታ ካብ ዓለም ዝኸፍአ ሳንሱር ዘለዋን እታ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ዝበዝሐ ቁጽሪ እሱራት ጋዜጠኛታት ዘለዋ ሃገር ምዃና የረጋግጽ። ኢንተርነት ካፈታት ኩለን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እየን ዝሰርሓ፡ ብመሰረት ማዕከናት ሓበሬታ፡ ኣብ ወርሒ

;ግንቦት፡ መንግስቲ ንሓጺር ግዜ ኢንተርነት ብጠቕላላ ዓጺዩዎ ከምዝነበረ ይሕብራ።

 

ኣብ`ታ ሃገር ዝኾነ ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካ ፓርቲታት ፍቓድ የብለንን። ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ኰንካ ምትእኽኻብ ክልኩል ስለዝኾነ፡ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበራት እውን ብዘይካ እተን መንግስቲ ዝቆጻጸረን ኩለን ኩልኩላት እየን። ናጻ ዝኾና ዘይመንግስታውያን ማሕበራት-ዕዮ የለዋን። ግብረ-ሰዶመኛነት ክልኩል እዩ።

 

ብዘይ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ካብ ሃገር ምውጻእ ክልኩል እዩ፡ ብዘይፍቓድ ሃገር ሓዲጎም ዝኸዱ ብጥይት ናይ ምሟትን ናይ ማእሰርትን ሓደጋ የንጻላልዎም። ኣብ 2018፡ ድሕሪ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጽያን ምኽፋቶም ንገለ እዋናት እቲ መንግስቲ መገሻ ኣይከልከለን ኔሩ። እንተኾነ ኣብ መወዳእታ 2018 ድሒሩ`ውን ኣብ ሚያዚያ 2019 እቲ መንግስቲ፡ ብናቱ ውሳኔ እቲ ዶባት ዓጽዪዎ፡ ኣብ ዝነበሮ ኩነት ተመሊሱስ ንመውጽኢ ንመንግስቲ ፍቓድ ምሕታት ዘድሊ ኮነ። ድሕሪ ዶባት ኢትዮጽያን ኤርትራን ምኽፋቱ፡ ቁጽሪ ናይ`ቶም ዝስደዱ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ናይ`ቶም ኣላዪ ዘይብሎም ቆልዑትን ደቀንስቲዮን ወሲኹ እዩ። ኣብ መጀመሪያ ናይ 2019 መዓልታዊ ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዝስደዱ ተገሊጹ። ካብ`ቶም ኣብ 2019 ዝተሰደዱ ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ናይ መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ንኣካባቢያዊ ውድድር ኢሎም ምስ ከዱ ብኡኡ ኣቢሎም ጠፊኦም።

ቀንዲ ዓለም ለኻዊ ተዋሳእቲ

ሽሕ`ዃ እቲ ናይ 2018 ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጽያን ስምምዕ ተኻዪዱ እንተኾነ፡ እቲ ኣከራኻሪ ናይ ዶብ ጉዳይ

 ኣይተሓንጸጸንን ኢትዮጽያ ከኣ ካብ`ታ ጠንቂ ናይ 1998 ኲናት ዝኾነ ባድመ ኣይወጸትን።

ኣብ 2008፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሃገረ ጂቡቲን ብዝተኻየደ ውግእ ተማሪኾም ናብ ዓዶም ክምለሱ ብዘይምኻሎም ምስ ሃገረ ጂቡቲ ዝተጀመረ ወጥሪ እውን ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ብ 2019 ሃገረ ጅቡቲ ፈጻሚ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ውሳኔ ክወሃባ ሓቲታ። እቲ ሕቶኣ ክሳብ እዚ ጸብጻብ ዝተጻሕፈሉ እዋን ተንጠልጢሉ እዩ ዝርከብ።

ዓለም ለኻዊ ፊናንሳዊ ማዕከን (The International Monetary Fund)፡ ናይ ኤርትራ ምንጪ-ቁጠባዊ ኣካይድኣ ኣብ “ኣዝዩ

 ሕማቕ” ኩነታት ከምዝርከብ ሓቢሩ። ኣብ 2019 ብዝተገብረ ሓፈሻዊ መጽናዕቲ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብ`ተን ሰለስተ ሃገራት ንህዝበን ካብ ዓለም ለኻውያን ውድባት ሓገዝ ንኸይረኽቡ “ጽንኩር ሓጹር” ትገብር ሃገር ምዃና ተፈሊጡ።

ብጀካ እታ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ከተፍሪ መደብ ወጺዩላ ዘሎን 50 ሚእታዊት ብርኪ እትውንን

ኣውስትራሊያዊት ኩባንያ፡ ብዝተረፈ፡ ማዕድን ብዝምልከት ሙሉእ ብሙሉእ ትካላት ቻይና ተቖጻጺረንኦ እየን፡ ኩለን ትካላት ግን ናይ መንግስቲ ናይ ህንጻ ትካላት እዩ ዘለወን። እዘን ናይ መንግስቲ ትካላት እዚኤን ከኣ ብናይ ዕስኩራት ጉልበት እየን ስረሐን ዘሳልጣን።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ክልትኣዊ መስመር ስልቲ ተጠቒማ፡ በቲ ሓደ ኣብ ስራሕ ናይ ምፍጣር ተበግሶታት ከተትኣታቱ ከላ፡ በቲ ፖለቲካዊ ወገን ድማ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጠመተ እዩ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ብመሰረት ትራስት ፋንድ ፎር ኣፍሪካ (Trust Fund for Africa) ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ዝዓለመ 20 ሚሊዮን ዩሮ (22 ሚሊኦን ዶላር ) ንናይ ጽርጊያ ህንጻ ውጥን መመወሊ ሂባ፡ እቲ ዝሃበቶ ሓገዝ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ማለት ብናይ ኣስገዳድ ስራሕ ናይ ምክያድ ተኽእሎ እንዳሃለወ እያ ሂባቶ። ኣብ

 ወርሒ ሚያዚያ፡ ናይ ሆላንድ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ንሕብረት ኤውሮጳ እቲ ውጥን ደው ከተብሎ እንተዘይኮይኑ ሕጋዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ኣመሊታ እያ።

ኣብ ትሕቲ ዓንቐጽ 8 ናይ ኮቶኑ ስምምዕ (Cotonou Agreement) ኢሉ ዝፍለጥ ውዕል፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓንሳብ ኣብ  ወርሒ ጥቅምቲ ካልኣይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ኤርትራ ክልተ ዙሪያ ፖሊቲካዊ ክትዓት ኣካዪዳ፡ ።