Skip to main content

ኤርትራ

Events of 2018

Eritrea's President Isaias Afwerki arriving at the airport in Gondar, for a visit in Ethiopia, November 9, 2018.

© 2018 EDUARDO SOTERAS/AFP/Getty Images

ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዳርጋ ፍጹም ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ፡ ንኤርትራ ዓመተ 2018 ምስ ጐረባብታ ዘለዋ ርክብ ኣብ ናይ ምምሕያሽ ለውጢ ኣገዳሲት ዓመት እያ። ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት ዝዀነ ስምምዕ ተፈራረሙ። እዚ ድማ፡ "ሓድሽ ዘመነ ሰላምን ምሕዝነትን" ኰይኑ፡ ነቲ ናይ 20 ዓመት ናይ ዶባዊ ኵናት ወግዓዊ መደምደምታ እዪ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናይቲ ናይ ሰላም ውዕል፡ ኤርትራን ሶማልን ድሕሪ ናይ 15 ዓመት ምድስካል ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ከምብሓድሽ ርክባት ጀሚረን ይርከባ። ብተመሳሳሊ፡ ኤርትራን ጂቡቲን እውን ርክባተን ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ባይቶ ጸጥታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዝነበረ ናይ ትሽዓተ ዓመታት ናይ ኣጽዋር እገዳ ብወግዒ ኣልዒሉ። እንተዀነ፡ ወላ እዚ ለውጥታት እዚ ይገበር እምበር፡ እቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ እተካይዶ ሓያል ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታት ከተማሓይሽ ኣይተራእየትን።  

ን20 ዓመታት ዝኣክል፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ እቲ ዶባዊ ወጥሪ ምስ ኢትዮጵያ ከም መመሳመሲ ብምጥቃም ዲክታተርነቱ ከደላድል እዩ ጸኒሑ። እቲ ናይ 18 ወርሒ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ናብ ዝተናውሐን ናይ ግዜ መደብ ኣልቦ ኣስገዳድ ዕስክርና ቀይርዎ እዩ ጸኒሑ። ኩሎም ናይ ፖለቲካ ተቃወምቲ፡ ኮታ ዝዀነ ንናይ ኢሳያስ መግዛእቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ውልቀሰብ ይኹን ጕጅለ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ስውር ዝዀነ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝዳጐን። ነጻ ፕረስ ክልኩል እዩ፡ ጋዜጠኛታት እውን ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ። ፖለቲካዊ ውድባትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኵሎም ኣብቲ ሃገር ተኸልኪሎም እዮም ዘለዉ። ፖለቲካዊ ምርጫ፣ ሓጋጊ ኣካል ይኹን ነጻ ተቕዋም ቤት ፍርዲ ኩሎም ክልኩላት እዮም፡ እቲ ምንታይሲ፡ ኢሳያስ ከም ዝብሎ፡ ያኣዪ፡ ንሃገራዊ ምክልኻል ኤርትራ ዘዳኽሙ ስለዀነ እዩ። ገለ ገለ ናይ ሃይማኖት ትካላት ውጕዛት እዮም ዘለዉ። እቶም ዘለዉ ከኣ ብመንግስታውያን ሓይልታት ኣዝዩ ከቢድ ቍጽጽር እዩ ዝግበረሎም። እቲ ቅድሚ ኵናት ኣብ 1997 ብሓጋጊ ኣካል ዝጸደቐ ቍዋም ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ መደብ ንዘይተፈልጠ እዋን ተናዊሑ ይርከብ።  

እቲ ኢሳያስ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐ ምትፍናን ከም መመሳመሲ ምጥቃሙ እኳ ተለዊጡ እንተዀነ፡ ምስተለወጠ ነቲ ጨቋኒ መግዛእቱስ ለውጢ ኣየምጸኣሉን። ቅድሚ ክልተ ሰሙን እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዋጅ ስምምዕ ሰላም፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ "ሓፈሻዊ ሃዋህው ጭካነ" ዝፍጸም "ስያሳውን ስፊሕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት" ይቕጽል ምንባሩ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ገለ ካብቶም ግህሰታት ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ቆንስል ፍሉይ ናይ ኤርትራ ልኡኽ፡ "ሃንደበታዊ ማእሰርትን፣ ምስዋር ሃለዋት ሰባትን፣ ነግረፍትን፣ ጾታዊ ዓመጽን ናይ ኣስገዳድ ስራሕን" የጠቓልል። ንመጥቃዕቲ ዝዓለመ ዝመስል ኣንጻር ነቀፌታ ዝግበር ግብረ መልሲ ናይቲ መንግስቲ፡ ብመንገዲ ናይ ወጻኢ ጕዳያት ሚኒስተር ከምዝተገልጸ፤ እቲ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ሞራላዊ ውድቀት ዘጥቅዖን ንሓቅነት ነገራት ብፍላጥ ዝጥምዝዝን" ኰይኑ" "ጥጁእ ኣጀንዳ" ዘለዎ እዩ ብማለት እዩ ዝገልጾ።

ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ፡ ዝዀነ ለውጢ የለን። እንተዀነ፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ንኤርትራ ኣባል ናይ ሰብኣዊ መሰል ቆንስል ክትከውን መሪጹዋ ኣሎ።

ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ናይ ኣስገዳድ ስራሕን

መሰላት ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ተኣጊዶም ይርከቡ፡ ብዝያዳ ግን እቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተታሒዙ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ እዩ ዝውጻዕ ዘሎ። ኣብ 2016 እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንሃገራዊ ኣገልግሎት "ባርነት እዩ" ክብል መደምደምታ ሂቡሉ ኔሩ እዩ። ወላ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ትግበር እምበር እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ኣባላት እንተዀነ እውን ከፋንዎም ኣይከኣለን ዘሎ።

ኵሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽጸንሑ እዩ ዝግበር። ንዘይተወሰነ እዋን የገልግሉ፡ ወረ ገሊኦምስ ክሳብ 18 ዓመት ዘገልገሉ ኣለዉ። ነዚ ናይ ኣሽሓት መንእሰያት ወላውን ዝሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ኤርትራውያን ጠንቂ ስደት ኰይኑ ዘሎ ጕዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራይ እኳ ኣይኹን እምበር፥ ግን እቲ ቀንዲ ምኽንያትስ ንሱ እዩ። ካብ እቲ ናይ 1998 ኵናት ጀሚሩ ዳርጋ 15 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ሃገሩ ሓዲጉ ተሰዲዱ ይርከብ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ድሕሪ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቍጽሪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ ብጥዕሚ ወሲኹ ይርከብ ኣሎ።

እቶም ናብ ዕስክርና ዝኣተዉ ብኣዝዩ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ሃሳዪ መቕጻዕትን ክሳብ መግረፍቲ ዝበጽሕ ስቓይን የጋጥሞም ኣሎ። ዋላኳ ደሞዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ወሲኹ እንተዀነ፡ እቲ ወሰኽ ክሳብ ሕጂ ስማዊ ጥራይ እዩ እምበር ንስድራቤቶም ክሕግዙሉ ዘኽእል ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ወሰኽ ንመግቢ ተባሂሉ ብዝጎድል ዋጋታት ምስ ዝርኣይ ፍጹም እኹል ኣይኰነን።

ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ዜና ኣብ 2018 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሮ ዝሕቲ ሓደ ሕምሲት ካብቶም ዕስኩራት ወተሃደራዊ ተራ ዝጻወቱ ምዃኖም እዩ ዘርኢ።  እቶም ዝተረፉ ኣብ ስራሓት ሕርሻ፣ ምምህርና፣ ህንጻዊ ስራሓት፣ ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ንኡስ ፍርዳዊ ትካላትን ሲቪላዊ ሰራሓትን ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ይዋፈሩ። እቶም ኣብ መንግስታዊ ትካላት ስራሓት ዝዋፈሩ ሰባት ከኣ ኣብ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ናይ ማዕድን ትካላት ህንጻዊ ትሕተ ቅርጺ እዮም ዝሰርሑ።   

መሰል ትምህርቲ

መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቲ መስርሕ ንናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መመልመሊ ስያሳ እዩ ዝጥቀመሉ። እዚ ከኣ እታ ናይ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ንከሕልፍዋ ብምግዳድ የተግብሮ። ኣብ ክንዲ ብዙሓት ናይ ካልኣይ ደረጃ ስልጡናትን ወለንተኛታትን መማህራን ምፍራይ እቲ መንግስቲ ነቲ ኣገልግሎታት ካብቶም ምርጫ ዘይብሎምን ነቲ ተታሓሒዞሞ ዘለዉ ኣገልግሎት መኣስ ከምዝውዳእ ዘይፈልጡን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እንዳተጠቕመ የካይዶ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ኣገልግሎት ናይ ብግዴታ ዝዓስከሩ መማህራን እቲ ናይ ክእለቶም ደረጃ ንኸንቆልቍልን እቲ ናይ ምስራሕ ድሌቶም ንኽዳኸምን ስለዝድርኾም፡ ኣብቲ ኤርትራዊ መሰላት ናይ ትምህርቲ እውን ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ። እኹል ደሞዝ ዘይምህላውን ገደብ ዘይብሉ ናይ ግዜ ኣገልግሎትን ነቶም መማህራን ካብ ምምህርና ንኸብኵሩን ንክስደዱን ደራኺ ተራታት ይጻወቱ ኣለዉ ማለት እዩ። እቶም ተመሃሮ እውን ኣብ ትሕቲ እዚ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤ በቲ ድኹም ምምህርና ተስፋኦም ዝባኸነን ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ተስፋታት ዝማህመነን እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ።

ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን ናይ ማሕበርን ናጽነት

እቲ መንግስቲ ዝዀነ ናይ ነጻ ጋዜጣታት መድረኽ ኣይፈቐደን ኣሎ። እዚ ትካል እዚ ኣብ 2001 ድሕሪ እቶም 10 ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ምእሳሮም ዓንዩ እዮ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ንኽቕጽል ይኹን ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ተሳትፎአን ከበርክታ ይኹን ዕድል የለን።

እቲ መንግስቲ ነቶም እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣይፈትሐ መነባብሮኦም ኣየመሓየሸ እዩ ዘሎ። እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ሰበስልጣን መንግስቲ ይዅኑ እቶም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ። ብምኽንያት ምስጢራውነት ናይቲ መንግስቲን ነጻ ዝዀነ ናይ ምክትታል ኣካል ብዘይምህላዉን ክንደይ ዝኣኽሉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዉ ክትፈልጥ ኣይከኣልን እዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ እቲ መንግስቲ ንሬሳ ናይቶም 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ክብሪ ፕረሲደንት ናይ እስላማዊት ቤት ትምህርቲ ኣል ድያ ኣብ ኣስመራ ካብ ቤት ማእሰርቲ ለቒቑ። ንሶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብሰንኪ ነቲ መንግስቲ ነታ ቤት ትምህርቲ ንምውራስ ዘውጽኦ ውጥን ምቅዋሞም እዮም ተኣሲሮም ነይሮም። ኣሽሓት ዝዀኑ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ዝርከብዎም እውን ኣብ ቀብሪ እቶም ኣቦ ብማእከል ኣስመራ ስለዝመረሹ ጥራይ ግዳይ ማእሰርቲ ኰይኖም እዮም። መብዛሕትኦም ኣብቲ ዝቐጸለ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም እኳ እንተዀኑ፡ ገለ መራሕቲ ቤት ትምህርቲ ግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ተቓዋሚኡ ነቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ተኣሲሩ፡ ኣበይ ከምዘሎ እውን ኣይፍለጥን እዩ። ብርሃነ ንጸገማት ምሕደራ ኢሳያስ ብደቂቕ ዘነጽር መጽሓፍ ጽሒፉን ንመንእሰያት እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ስርዓት ክለዓሉ ኣተባቢዑን ነይሩ እዩ። እቲ መንግስቲ፡ ንሰይቲ ብርሃነ፣ ወይዘሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም እውን ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣሲሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ዳጕንዋ ይርከብ ኣሎ።

ናይ ሃይማኖት ናጽነት

እቲ መንግስቲ ብዘይካ እምነታት ሱኒ እስልምናን፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት፣ ሮማዊ ካቶሊክን ወንጌላዊትን ዝዀና ሃይማኖታት፡ ንኻልኦት ዓይነታት ሃይማኖታት ተቐባልነት ንኸይህበን ኣብዩ እዩ ዘሎ። ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ፓትሪያርክ ኣንጠንዮስ፣ ኣብ 2007 ብመንግስቲ ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምእላዮም ገና ናይ ገዛ እስረኛ ኰይኖም ይነብሩ ኣለዉ፡፡   

ኣባላት ጸጥታ እቲ መንግስቲ ብቐጻሊ እዮም ንኣመንቲ ብዘይካ እተን መንግስቲ ዝኣምነለን ሃይማኖታት ኣብ ግዜ ጸሎቶም ኣብ ውልቃዊ ገዛውቶም እንዳኣተዉ ይኣስርዎም። ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጹ ድማ ሃይማኖቶም ክኽሕዱ ከምዘለዎም እዮም ዝግደዱ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሓደ ናይ መርዓ ዝመስል ጽምብል፡ መርዓትን መርዓውን ተኣሲሮም እዮም።  

ሓምሳን ሰለስተን ኣባላት ናይ ጅሆቫ  መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ። ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ተኣሲሮም ናብ ሳዋ ኣብ 1994 ተወሲዶም ብኡ ኣቢሎም ዝተኣስሩ እዮም።  ኣብ 2017፣ ብፍላይ ድማ እቶም ኵሎም እሱራት ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከምዝጥርነፉ ድሕሪ ምግባሮም፡ እቲ ኵነታት ማእሰርቶም ብመጠኑ ተመሓይሹ ኣሎ። ድሕሪ ቍሩብ እዋን ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሖም፡ ካብ ዝእሰሩ ጀሚርካ ንመጀመርያ ግዜ በጻሕቲ ክመጹዎምን ክርእይዎምን ተኻኢሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ 2018 እቲ ፍቓድ ናይ ምብጻሕ እዞም እሱራት እዚኦም እንደገና ተኸልኪሉ ይርከብ።  

ስደተኛታት

ድሕሪ ምምሕያሽ ርክባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ገለ ሃገራት ዓለም፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ተኽእሎታት ኣብ ግምት ከእትዋ ጸኒሐን ኣለዋ። ኢትዮጵያ፤ ወላኳ እቲ መንቀሳቐሲ መስመራት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣጽኒዓ ዓጽያቶ እንተሃለወት፡ ነቶም ኣብ ሃገራ ዝርከቡ 164 000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ግና ክሳብ ሕጂ ዝወሰደቶ ስጕምቲ የለን።

እስራኤል ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት "ጸሎቕቲ" ብማለት እያ እትጽውዖም። ስለዚ ድማ ብቐጻሊ ብኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ኣተሓሕዛን ጸቕጥን ብምግባር "ብወለንትኦም" ነቲ ሃገር ለቒቖም ከምዝኸዱ እያ እትደፍኦም ዘላ። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ናይ እስኣኤል ሰበስልጣን፡ ነቶም ስደተኛታት ንሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ምኻድ እንድሕር ኣብዮም፡ ኣሽሓት ዝዀኑ ካብዞም ስደተኛታት እዚኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጕኑዎም ምዃኖም ተዛሪቦም እዮም። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ብፍላይ ድሕሪ እተን ስሉሳውያን ሃገራት፡  (ማለት እተን ስደተኛታት ክቕበላ ዝተባህላ ሃገራት) ካብ እስራኤል ዝተጠረዙ ስደተኛታት ከምዘይቅበላ ድሕሪ ምፍላጠን፡ ናይ እስራኤል ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖሊሲ እቲ መንግስቲ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ነጺግዎ እዩ። ናይ እስራኤል ሚኒስተር ፍትሒ ኤርትራ እቲ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ፕሮግራማ እንድሕር "ሰሪዛቶ" ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣተንቢሁ ነይሩ እዩ።  

ኣብ መስከረም 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንገለ 700 ዝዀኑ መሰል ዑቕባ ካብ ዘይረኸቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከመሕድሮም ምዃኑ ኣውጁ ነይሩ እዩ። ገለ ካብዚኣቶም ድሮ ሃዲሞም ናብ ካናዳ ኣትዮም ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ድማ ናብ ሃገሩ ክስጐግ ኣብ መንገዲ እንከሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ እቲ ናይ ኤርትራ ፕሮግራም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ጠንቂ ሽግር ከምዘይወስዶን ንምስጓጕ ኤርትራውያን ዕንቅፋት ክኸውን ዘይክእል ምኽንያት ምዃኑን በይኑ እዩ። እዚ ብይን እዚ ድማ ነቲ ናይ 2017 ጸብጻብ ናይ ኤውሮጳዊ ናይ ዑቕባ ተሓጋጋዚ ቤት ጽሕፈት ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ናይ መቕጻዕቲ ብድሆታት፡ ከም ማእሰርቲን ኢሰብኣዊ ዝዀነ ኣተሓሕዛ፡ ከም ኣስገዳድ ስራሕን መግረፍትን ከጋጥሞም ከምዝኽእልን ኣስሚሩ መጠንቀቕታ ሂቡ እንዳሃለወ ዝተበየነ ውሳነ እዩ ነይሩ።  

ቀንዲ ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ

ናይ ኤርትራ ምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ክልቲኤን (ሶማልያን ኢትዮጵያን) ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዝነበረ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ክለዓል ኣለዎ ብማለት ድጋፈን ኣርእየን። እዚ ብቐንዱ ብሰንኪ ኤርትራ ንኣልሸባብ ብምሕጋዛን ኣንጻር ጅቡቲ ዓመጽ ብምክያዳን እዩ እዚ እገዳ ተበይኑላ ጸኒሑ። ጅቡቲ እውን ከምተን ሶማልን ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራ እገዳ ክለዓል ኣለዎ ብማለት ድጋፋ ሂባ እያ። እንተዀነ፡ ደገፍ ናይ ጅቡቲ ሰጋእ መጋእ ዝተሓወሶ እዩ ኰይኑ ነይሩ፡ ምኽንያቱ እቲ ጕዳይ ዶብ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ገና  ወግዓዊ መዕረፊ ኣይተገብረሉን ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ነቶም ኣብ ግዜ ዶባዊ ኵናት ተማሪኾም ግና ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ናይ ጅቡቲ ወተሃደራት ሓላፍነት ክትወስድ ኣይከኣለትን ኣላ።  

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ናይ ዕርቂ ርክባት ኣብ ሞንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተራ ተጻዊታ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ኤርትራ ሓደ ወደብ ዓሰብ ቦታ ተኻርያ ነቲ ኣብ የመን ዝኻየድ ዘሎ ኵናት ትግልገለሉ ኣላ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሞንጐ ዋና ከተማ ኢትዮጵያን ወደብ ዓሰብን ናይ ነዳዲ ትቦ ብምስራሕ ንኢትዮጵያ ክትሕግዝ ምስታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ኣዊጃ ነይራ እያ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ሩስያ ሓደ ናይ "ሎጂስቲካዊ ማእከል" ኣብ ናይ ኤርትራዊት ወደብ ክትሰርሕ ምዃና ሓቢራ እኳ እንተነበረት፡ ነቲ ፕሮጀክት እቲ ዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግና ኣይሃበትን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ኣፍሪቃ ጕዳያት ተሓጋጋዛይ ሰክረታሪ፡ ኣምባሳደር የማሞቶ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ እዩ፡፡ ይዅን'ምበር ናይ ያማሞቶ ምብጻሕን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ስምምዕ ምክያዳን፤ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ነቶም ሰለስተ ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣይፈትሓቶምን ኣላ።

ናይ ቻይና ትካላት ኣብቲ ናይ ኤርትራ ናይ ዕደና ሰክተር ወይ ጽላት ልዑል ወፍሪ ገይረን ይርከባ። እተን ናይ ዕደና ትካላት፡ ናይ መንግስቲ ናይ ህንጻ ትካላት ብምጥቃም እየን ነቲ ምምዕባል ናይ ዕደና ትሕተ ቅርጺ ዘካይድኦ።  ስለዚ ድማ፡ ብቐጥታ ነቲ ናይ ኤርትራ ናይ ወተሃደራት ጕልበት ይጥቀማ ኣለዋ ማለት እዩ። ናይ ወርቂ ዕደና ማእከል ቢሻ ማለት ዝበዝሐ ብርኪ እታ ትካል ብካናዳዊት ዝኾነት ትካል ዕደና ነቭሱን እትውነን፡ ብቐንዱ ንጥፈታት ዕደና ንነዊሕ እዋን ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ። እንተዀነ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ጃይናዊት ናይ ዕደና ትካል ኩባንያ ጅይንግ (Zijin Mining Group Company) ንናይ ነቭሱን ብርኪ ክትገዝኦ ተሰማሚዓ ኣላ። እዚ ናይ ወርሒ ሕዳር መሸጣ እዚ ነቲ ሕጋዊ ጽቕጥታት ካብ ካናዳን ካብ ቻይናን ንጹር መንገዲ ንኽሕዝ ኣኺልዎ ዘሎ ይመስል።