Skip to main content

ኤርትራ

Events of 2016

ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ተቃውሞ ጭርሖታት ሒዞም ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር መንግስቲ ኢርትራ ኣብ ኣፍደገ ኤንባሲኦም ኣብ ቴል ኣቢብ፣ እስራኤል እንዳገበሩ ከለው፦ 11 ግንቦት 2015.

ድሕሪ 25 ዓመት መሪሕነት ናይ'ቲ ከይተመረጸ ዝገዝእ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡  ኤርትራውያን ዜጋታት ገና ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጨቆንቲ ዝዀኑ መንግስታት ይግዛእ ኣሎ።

ኣብ ግንቦት 2016፡ እቲ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ  መሰላት ዝቖመ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ኣብቲ ዘቕረቦ ናይ መጨረሽታ ጸብጻቡ፡ እቲ መንግስቲ ብዙሕ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዀነ ገበናት ከምዝፈጸመ ከእምኖ ዝኸኣለ ጭብጥታት ከምዝረኸበ ሓቢሩ። እቲ ኮምሽን ድማ፡ ናይቲ መንግስቲ "ምልካዊ ተግባራትን" ንሕጊ ምርጋጽን ነቲ "ጃምላዊ" ዝዀነ ናይ ኤርትራውያን ዜጋታት "ሓርነት ዝጐሲ" ምዃኑ እቲ መርማሪ ኮምሽን ኣነጺሩ።

ስለዚ ብደረጃ ውሳኔ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡  ነቲ "ናይ ኤርትራ፡ ዝተራቕቀ፡  መጠነ-ሰፊሕን ከቢድ ዝዀነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣትሪሩ ወጊዙ" ከምኡ'ውን ንባይቶ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጸብጻብ ናይ ናይ መርማሪት ኮምሽን ናብ ኵለን "ዝምልከተን ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት" ከመሓልፍ ተላብዩ ኣሎ። ባይቶ ሰብ ኣዊ መሰላት ኣብቲ ናይ ጥቅምቲ 2016 መደቡ ዝዀነ ወግዓዊ ስጕምቲ ኣይወሰደን።  

ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ናይ ኣስገዳድ ስራሕን

ብመሰረት ሕጊ፡ ኵሉ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ይግደድ እዩ፡፡ እንተዀነ፡ ብግብሪ  እቶም ዕስኩራት ንዘይተወሰነ እዋን እዮም ዘገልግሉ፡: ብዙሓት ካብኣቶም ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝኣክል የገልግሉ። እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ድማ እዩ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ስደት ኰይኑ ዝርከብ። እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ድማ እቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘጋጥሙ ዘለዉ ኵነታት ክሳብ ናብ ባርነታዊ ደረጃ ዝበጽሑ ገበናት እዮም ብማለት ይድምድም።  

ኣተሓሕዛ እዞም ዕስኩራት ዝበዝሕ እዋን ኣስኻሕካሕን ከከም ኵነታት  መራሒ ናይ ሓንቲ ኣሃዱን  ይፈላለን እዩ።   ኣካላዊ ግህሰት ከም መግረፍቲ ዝበለ ገበናት ብቐጻሊ የጋጥም፤ ከምኡ'ውን ኣንጻር ዕስኩራት ደቀንስትዮ ናይ ኣስገዳድ ባርነታዊ ምኽዳምን ጾታዊ ዓመጽን በቶም መራሕቲ ብተመሳሳሊ ይፍጸም እዩ። እቶም ጾታዊን ካልእ ዓይነት ዓመጽን ዝወርዶም ዓሳክር ድማ ነቶም ገበነኛታት ሰባት ከሲሶም ኣብ ሕጊ ዘብጽሑሉ ወይ ፍትሒ ዝረኽቡሉ መስርሕ የለን።  

ሃገር ገዲፍካ ናይ ምህዳም ፈተነ ብኸቢድ እዩ ዘቕጽዕ። ኣብ ዕለት 3 ሚያዝያ  ሓደሽቲ ዕስኩራት ኣብ ኣስመራ ካብቲ ተጻዒኖምሉ ዝነበሩ ናይ ወትሃደራት መካይን ክሃድሙ ምስፈተኑ ካብቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወትሃደራት ብጥይት ተሃሪሞም ሓያለ ድማ ተቐቲሎም። 

ንዕስኩራት ዝኽፈሎም ገንዝበ ይትረፍ ንስድራኦም ክሕግዙሉስ ነታ ንነብሶም እውን ዝኣክል ኣይኰነን። ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ 2015  ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሓበሮ፡ ንሱ ድሕሪ 18 ዓመት ምግልጋሉን ንመጻኢ ድማ  እቲ ዕስክርና  መወዳእታ ዘይብሉ ብምዃኑ: ኣብ 2015 ሓዲግዎ ከምዝወጸ ገሊጹ። ሓደ ካልእ ድማ ድሕሪ 10 ዓመት ኣገልግሎት ተሰዲዱ ምኽንያቱ "ስድራቤተይ ናብራ ኣዝዩ ስለዝኸበዶም" ይብል። ሓደ ሳልሳይ ድማ ድሕሪ 12 ዓመት ኣገልግሎት ተሰዲዱ ምኽንያቱ "ንደቀይ ዝኽውን ወላ ሓንቲ ናይ መጻኢ ተስፋ ክርኢ ኣይከኣልኩን" ይብል። 

ኣብ 2015 ኤርትራ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዛዕባ መጠነ ዓቢ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትዝትየሉ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ: ንዲፕሎማትን ሃገር ንክበጽሑ ዝኸዱ ወጻእተኛታትን፡ እቲ ናይ 18 ኣዋርሕ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ገደብ ኣብቶም ሓደስቲ ዝዕስከሩ ኣባላት ክትግበር ምዃኑ፡ ነቶም ኣቀዲሞም ዓስኪሮም ዝጸንሑ ኣባላት ግና እቲ ለውጢ ከምዘይምልከቶምን ሓቢሮም ኔሮም። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይቲ ዓመት ድማ እቲ መንግስቲ ቃሉ ብምዕጻፍ ነቲ ኣቐዲሙ ዘውጽኦ መደብ ሰሪዙ።

በንጻሩ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ እቲ ደሞዝ ዕስኩራት ክውስኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ። ናቱ ናይ ፋይናንስ ሚኒስተር ድማ ደሞዝ እቶም ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣገልገልቲ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝውስኽ ሓቢሩ ኔሩ። ብዛዕባ ወሰኽ ናይቶም ኣብ ካልእ ጽፍሕታት ዘገልግሉ ዘለዉ ግና ኣየተንብሀን። እዚ ጸብጻብ እዚ ሰጋዕ ዝትጻሕፈሉ እዋን ድማ፤ ብዛዕባ ወሰኽ ደሞዝ ንዝበዝሑ ዕስኩራት ዝምልከት ዋላ ሓደ ጭብጢ የለን።

ምርጋጽ መሰል ምዝራብን፣ ምግላጽን፣ ምትእኽኻብን

ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ትካላዊ ኣገባብ እዩ ዝገዝእ ዘሎ። እቲ ስርዓት ብወግ ዒ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ: ሃገራዊ ምርጫ ኣይተኻየደን።  ኤርትራ ካብ 2002 ጀሚሩ ሓጋጊ ኣካል ዝበሃል የብላን። እቲ ፈራዲ ኣካል እውን ግዳይ ፍጹም ቍጽጽርን ምትእትታውን ናይቲ ፈጻሚ ኣካል እዩ ኰይኑ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም እውን ገና ኣይተተግበረን። ዝዀነ ንመንግስታዊ  ፖሊሲታት ክትሓተሉ ዘኽእል ህዝባዊ ባይታ የለን። ዘይመንግስታውያን ሃገራውያን ትካላት ኣብታ ሃገር ክሰርሓ ኣይፍቀድን እዩ።

መንግስቲ ንዅሉ ናይ ዜና ማእከናት ገቢትዎ ይርከብ። ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ፡ እቲ መንግስቲ ነተን ኵለን ብሕታውያን ጋዜጣታት ዓጽዩወንን ነቶም ቀንዲ ጋዜጠኛታት ድማ ቀዩዱዎምን ይርከብ። ካብኣቶም ድማ ዋላ ሓደ'ውን ናብ ፍርዲ ዝቐረበ የለን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ጽኑዕ  ኣብ ሸላ እዮም ተኣሲሮም ዝርከቡን ዝዀነ ቤተሰቦም ክበጽሖም ድማ ኣይከኣልን። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንሓለዋ ተመዲቦም ካብ ዝነበሩ ዋርድያታት ከምዝሕብርዎ፡ ዳርጋ ፍርቆም ካብእቶም እሱራት ከምዝሞቱ ይምስክሩ። እቶም ንስርዓት ኢሳያስ ዝነቐፉ 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ እውን ካብ 2001 ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ።  ሰበ ስልጣናት ኤርትራ ነዞም እሱራት ንክፍትሑ  ወይውን ናብ ፍርዲ ንምቕራቦም ብናይ ኣፍሪቃ ናይ መሰላት ደቂ ሰባትን ህዝብን ኮምሽን ከምኡውን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ናይ ኤርትራ መርማሪት ዝተገብረ ጻውዒትን ለበዋን ስጋዕ ሕጂ ጸማም እዝኒ ሂቦሞ ይርከቡ። 

ፍሉጣት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ዜጋታት እውን ንዘይፍትሓዊ ቀይዲ ዝተቓልዑ እዮም። ገለ ውሑዳት ካብኣቶም ጥራይ እዮም ጠንቂ መእሰሪኦም ዝንገሮም። ኣዝዮም ውሑዳትውን ናብ ፍርዲ ዝቀርቡሉ መስርሕ ይህልው ይኸውን፡ ገለ'ውን ዝስወሩ ኣለው።  ንውሓት ግዜ ማእሰርቲ ዝበዝሕ እዋን ፍሉጥ ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነ: ኣተሓሕዛ እሱራት’ ውን ዘስካሕክሕ እዩ።

ዋላኳ እቲ መንግስቲ ኣብ 2015 ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ፤ ናይ ምእሳር ፍቃድ ካብ ቤት ፍርዲ ዝህብ፣ ንምክልኻል ወይ ምጥባቕ ዘኽእል ፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ናይ ምርኻብ ተኽእሎን ካልእ እሱር ኣብ ፍርዲ ክቀርበሉ ዝኽእል ጥርዓንን ሕጋዊ ኣሰራርሓን  ዘማልአ ኵነታት ኣተኣታትዩ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ዘረጋግጽ ዝኾነ ጭብጢ ግና የለን።

ምትእትታው ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት

እቲ መንግስቲ ብዘይካ ነቶም ንሱ ዝኣመነሎም ኣርባዕተ ሃይማኖታት፤ ማለት ሱኒ እስላም፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ሮማዊት ቤተክርስትያንን ወንጌላዊት ቤተክርስትያንን፤ ናይ ካል ኦት እምንተ ተኸተልቲ መስል ይግህስ። ወላ ኣብ ልዕሊ እተን ብወግዒ ዝኣመነለን ኣርባዕተ ሃይማኖታት እውን ርኡይ ምትእትታው ይገብር።  ኣብ 2006 ሰበስልጣን መንግስቲ: ነቶም ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ፓትሪያርክ ካብ መዝነቶም ኣውሪዶም ኣብ ቦትኦም ድሕሪ ሓደ ዓመት ካልእ ፓትርያርክ መዚዙ።  እቶም ካብ መንፈሳዊ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ፓትርያርክ ድሕሪ 10 ዓመት ገና ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ፡ ነቶም ተኸተልቲ እቲ መንግስቲ ዘይኣምነሎም ሃይማኖታት ዝነብሩሉን ንጾሎት ዝራኸቡሉን መንበሪ ገዛውቶም ብሃንደበት ብሓይሊ ደፊኦም ብምእታው፡ ይሕዝዎምን ይኣስርዎምን። እቶም ብኸምዚ ዝተኣስሩ ድማ ሃይማኖቶምን እምነቶምን ከይከሓዱ ካብ ማእሰርቲ ኣይፍትሑን እዮም።

ኣባላት ጅሆቫ ዊትነስ ድማ ብፍሉይ እዮም ዝሳቐዩ። ሰለስተ ካብኣቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣይንሳተፍን ስለዝበሉ ቅድሚ 22 ዓመታት ካብ 1994 ጀሚሮም ተኣሲሮም ይርከቡ። ኣብ 2014 ድማ 54 ኣባላት እዚ ሃይማኖት'ዚ "ሕጋዊ ዘይኮነ ምትእኽኻብ ኣካይዶም" ተባሂሎም ተኣሲሮም፣ ኣብ መጋቢት 2016፡ ገበነኛታት ኢና ኢሎም ስለዝኣመኑ  ኣብ ወርሒ መጋቢት 2016፡  ነብሲወከፍ እሱር 500 ናቅፋ ($35 ዶላር ኣሜሪካ) መቅጻዕቲ ከፊሎም ተፈቲሖም።  ሓደ ንበይኑ ገበነኛ ኣይኮንኩን ዝበለ፡ ንሽድሽተ ወርሒ እስራት ተፈሪዱ፡ 7000 ናቅፋ (470 ዶላር ኣሜሪካ) ተቐጺዑ።

 

ምቕያድ ባጤራ

ኣብ መወዳእታ 2015፣ መንግስቲ ንኹሎም ናይ ወረቐት ባጤራ ዝሓዙ ዜጋታት ኤርትራ ገንዘቦም ናብ መንግስታዊ ባንክታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ክመልስዎ ኣዚዙ። ኣብ ለካቲት 2016 እቲ መንግስቲ ዝዀነ ካብ 3000 ናቕፋ (200 ዶላር) ንላዕሊ ዝግበር ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ብቸክ ክኸውን ኣዚዙ።

ዋላኳ እዚ ዓይነት ቀይዲታት ንናይ ጸሊም ዕዳጋ ናይ ባጤራ ሸርፊ ንምቍጽጻር ዘኽእል እንተዀነ፡ ዝያዳ ግና ነእቲ መንግስቲ ሓድሽ ብቀረባ ንናይ ውልቃዊ ኣታውን ወጻኢታትን ዜጋታት ንኽከታተልን ክቆጻጸርን የኽእሎ ማለት እዩ።

ስደተኛታት

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ኮምሽን፡ UNHCR፡  ኣብ መወዳእታ 2015 ዘውጽኦ ጸብጸቦ፡ 474,296 ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኰይኖም ከምዘለዉ ይሕብር። እዚ ማለት ድማ ከባቢ 12 ሚእታዊት ናይቲ 3.6 ሚልዮን ዝዀነ ህዝቢ ዕላዊ ግምት ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዩ።

ሃገራት ኤውሮጳ ቀጻሊ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደው ንምባል ቃልሰን ገና ይቕጽላ ኣለዋ። እንተዀነ፡ ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት ናይ ስዊዘርላንድ መርማሪ ልኡኽ ናብ ኣስመራ፣ ዋና ከተማ ናይ ኤርትራ ብምኻድ መጽናዕቲ ኣካይዱ ምስተመለስ "ምምሕያሽ ኵነታት መሰል ደቂሰባት ዘነጽር ጭብጢ የለን" ብማለት ብዘቕረቦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ እዩ። ብተወሳኺ፡ በስገዳድ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት ማእሰርትን መግረፍትን ከጋጥሞም እውን ከምዝኽእል ሓቢሩ እዩ። ኣብ ጥቅምቲ እውን፡ ሓደ ሕጋዊ መጋባእያ ናይ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ዕድመ ዕስክርና ዝርከቡ እሞ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት "ርኡይ ዝዀነ ሓደጋ  ናይ መስል ምግሃስ፡ ከቢድ ማህሰይትን ሕማቅ ኣተሓሕዛ  ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምርግጋጽ፡ እዚ ክምዚ ዓይነት ምግሃስ መስላት ድማ ይብል እቲ ውሳኔ፡ ንናይ ኤውሮጳዊ ሕግታት መሰል ወዲሰብ ከምዝግህስ የዘኻኽር። ሆም ኦፊስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ምስቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ብዝሰማማዕ መንገዲ፡ ነቲ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ፖሊሲኦም ኣተዓራርዮሞ ኣለው።

ኣብ ግንቦት፡ ሱዳን ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንኤርትራ ሰጕጋ። ብመሰረት መሰኻኽር ንናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ዝሃቡዎ ጸብጻብ፤ እቶም ዝተሰጕ፡ ሽዑ ንሽዑ እዮም ተኣሲሮም።

እስራኤል ንዓመታት ዝኣክል ንኤርትራውያን ዑቕባ ንከይሓቱ ፍቓድ ከሊኣቶም ትርከብ። ኣብ መስከረም: ነቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባርን ካብኡ ሃዲምካ ምውጻኢን መሰረት ምሕታት ዑቕባ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብል ፖሊሲ ናይ ውሽጣዊ ምኒስትሪ ብምጽራር፡ እቲ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት በብውልቆም ጕዳዮም ክረኣየሎም ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ ኣሎ። 

ቀንዲ ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ

ርክባት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ዝዀና ኢትዮጵያን ጅቡቲን ክሳብ ሕጂ ሓርፋፍ እዩ ዘሎ። ድሕሪ ደማዊ ኵናት 1998 ክሳብ 2000፣ ኢትዮጵያ ነቲ ብዓለምለኻዊ ኮምሽን ዶባት ናይ ኤርትራ ተባሂሉ ዝተበየነ ክፋል ዶባት ምስናይ እታ ኵናት ዝጀመረላ ከተማ ባድመ ሒዛቶ ትርከብ ኣላ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ነዚ "ኣይሰላም ኣይኵናት" ዝዀነ ኵነታት ንጨፍላቒ ውሽጣዊ ፖሊሲታቱ ንምትግባር ከም ምኽንያት ይጥቀመሉ ኣሎ። 

ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናይ ኣንጻረን ሃገር ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት የዕቍባ እየን።  ካብ 12 -13 ሰነ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ጥቓ  ጾሮና ዝኾነት ንእሽተይ ዓዲ፡  ከቢድ ብረት ከይተረፈ ዝተሓወሶ ኵናት ኣጋጢሙ ኔሩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ጠንቂ እቲ ኵናት ኢትዮጵያ እያ ብማለት ከሲሱ።   እንተዀነ፡ ንጠንቂ እቲ ኵናት ብዝምልከት ተጋራጨውቲ  ጸብጻባት እዮም ዘለዉ። ገለ ከምዝብልዎ፡ እቲ ኵናት ናይ ኤርትራ ዕጡቓት ወትሃደራት ካብ ሰራዊት ኣምሊጦም ናብ መሬት ኢትዮጵያ ዝሃድሙ ዝነበሩ ዕስኩራት ኤርትራውያን ንክሃድኑ ኢሎም ዝጀመሩዎ ተኹሲ ምኽንያት ናይ ኢትዮጵያ ወትሃደራት ድማ ግብረመልሲ ሂቦምሉ ይበሃል። ገለ ድማ ኢትዮጵያ በቶም ኣብ ኤርትራ መሰረቶም ጌሮም ዘጥቘዑዋ ዕጡቃት ተቃወምቲ ሓይልታት  ግብረ መልሲ ሂባትሉ፡ እሞ እቲ ጠንቂ ናይ'ቲ ጐንጺ ንሱ እዩ ነይሩ ይብሉ።   

ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ኣብ መጋቢት ነቶም ኣብ 2008 ዘጋጠመ ዶባዊ ኵናት ዝተማረኹ ኣርባዕተ ወትሃደራት ጅቡቲ ካብ ማእሰርቲ ፈቲሓ። ቅድሚኡ፡ ኤርትራ ዋላኳ ኣብ 2013 ክልተ ካብቶም እሱራት ካብ  ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጦም እንተነበሩ፤ ምሩኻት ኣሲራ ከምዝነበረት ተኣሚና ኣይትፈልጥን እያ። ጅቡቲ፡ ኤርትራ ገና ሓያለ ምሩኻት ኣሲራትለይ ኣላ ብማለት ትኸስስ።

ኤርትራ ኣብ 2016 ምስ ስዑድ ዓረብን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ርክባታ ኣመሓይሻ፡               ከምኡ’ ውን  ኣብ ታሕሳስ  2015  ኤርትራ: ንስዑድ ዓረብ ኣብቲ ኣብ የመን ተካይዶ ዘላ ኵናት ንኽትሕግዛ ተሰማሚዓ። ነዚ ድማ ኤርትራ "ሓፈሻዊ ስትራተጂ ጸረ ግብረሽበራዊ ቃልሲ እዩ" ብማለት እያ ተመኽኒ። ከምዝበሃል: ኤርትራ ንኢማራት ዓረብ ነፈርቲ ኵናት ከተዋፍር ፈቒዳን፡ የመናውያን ሓይልታት ኣብ ዓሰብ ኣብ ወሽመጥ ቀይሕ ባሕሪ ከትዕልም ተሰማሚዓ ኣላ። ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ነቲ ኣብ የመን ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝጠቕማ ሓድሽ ወደብ ትሃንጽ ኣላ። 

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ  ዝገበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብሓደ ዓመት ንክናዋሕ ወሲኑ። እቲ ምኽንያት ናይ ምንውሑ ድማ፡ ብድሕሪ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ኣካል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቆጻጻሪ ጉጅለ፡ ኤርትራ ከምዘይተሓባበረቶም ዝገልጽ ጸብጻቦም ምስቕረቡ እዩ።   እቲ ተቆጻጻሪ ጕጅለ፡ ብተወሳኺ ክምዝሓበሮ፡ ኤርትራ ካብ ናይ ዕደና ብትረኽቦ እቶትን ካብ ብኢማራት ንወትሃደራዊ ስርሓት ምኽንያታት ዝኽፈላ ገንዘብን ጌራ፡ ጸረ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝዀኑ ምልሻ ብምስልጣን ብምዕጣቕን ከምኡ'ውን ወትሃደራዊ ንብረት ካብ ኤውሮጳ ንክትሽምት ብምፍታን፡ ነቲ እገዳ ድሮ ጥሒሳቶ ትኽውን እያ ይብሉ።

ኤርትራ: ብርክት ዝበለ እቶት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ናይ ወጻእተኛታት ወነንቲ ናይ ወርቂ፣ መዳብ፡ ነሓስን ኒከልን ዝኣመሰሉ ትካላት ትረክብ እያ። ኣብዚ ድማ ምስተን ኩባንያታት 40 ሚእታዊት ዝዀነ ናይ እቶት ብጽሒት ኣለዋ። ናይ ቻይና SFECO ዝተባህለን ናይ ዛራ ዕደና ብርኪ፡ ኣብ ጥሪ ፍርያት ወርቂ ጀሚሩ ኣሎ። ብመንግስቲ ቻይና እትውነን Sichuan Road & Bridge Mining Investment ዝተባህለት ናይ ዕደናን ወፍርን ትካል ኣብ መወዳእታ 2016 ናይ ዕደና ስራሓ ክትጅምር ውጥን ኣውጺኣ ኔራ። እቲ ነቪሰን ዝተባህለት ካናዳዊ ትካል ዕደና ስርሑ ካብ ዝጅምር ድሮ ሻዱሻይ ዓመታ እቑጺሩ ኣሎ።

ብመሰረት ተመኵሮ ናይ ነቪሰን፡ ቻይናውያን ኩባንያታትውን ናይ ግድን ብመንግስቲ ዝውነና ናይ ህንጻ ትካላት ኤርትራ ንመማዕበሊ ትሕተ ቅርጺ ዕደናታት ናይ ምጥቃመን ተኽእሎታት ልዑል እዩ። እዚ ማለት ድማ ብተዘዋዋሪ ነጻ ጕልበት ናይ ዕስኵራት ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራውያን ይጥቀማ ኣለዋ ማለት እዩ።

ኤሮጳዊ ሕብረት፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ንምቕናስ ብዝብል ዕላማ፡ ንኤርትራ ፡ 200 ሚልዮን ዩሮ (ከባቢ 220 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ)ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሓገዝ ኣብ 2015 ክህብ ብድሕሪ ምጅማሩ፤  እቲ ፓርላማ ኤውሮጳ: ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይቲ ዓመት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ግዝኣተ ሕግን ነጻነት ማዕከነ ዜና ዘይምህላዉን ወዘተ..ብዝምልከት ተቓውሞኡ ኣርእዩን  ዘለዎ ዓቢ ስክፍታን ገሊጹ እዩ።