Skip to main content

እስራኤል፡ ስደተኛታት ክትኣስር የብላን

ኣሽሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብወለንታ ክወጹ እንድሕርዘይክኢሎም፡ ክእሰሩ ምዃኖም ይሕበር

(ኢዮሩሳሌም፡) ሰበስልጣን እስራኤል ነዚ ንኣሽሓት ንርዋንዳን ኡጋንዳን ምኻድ ዝበዩ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዜጋታት ኣብ ማእሰቲ ከእቱ ዝኽእል ሓድሽ ፖሊሲ ደው ከብልዎ ኣለዎም ክብል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ኣጠንቂቑ። እዚ ፖሊሲ እዚ ሓደ ካብቶም ነዞም ጕጅለ ስደተኛታት እዚኦም ነቲ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰሎም ብምግሃስ፡ ናብ ዘሕጋዊ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከስዕብ ዝኽእል እዩ። 

ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ እስራኤል ናይ ዑቕባ መሰል ክረኽቡ ኣይጸንሑን። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጀንስያ ስደተኛታት ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ናይ እስራኤል ዘይፍትሓዊ መስርሕ ዑቕባ ነቶም ስደተኛታት ብምኽልካልን፡ ብምንጻግን ከምኡ ድማ ናይ ዑቕባ መሰል ንኸይሓቱ ተስፋ ብምቝራጽን ከምዝፍጸም ሓቢሩ። እቶም እስራኤላውያን ሰበስልጣን፤ ከም ኵሎም እቶም ብዶባት ዝኣትዉ ደተኛታት፡ ከም "ሰሎኽቲ" እምበር ከም ስደተኛታት ክፈልጥዎም ኣይደልዪን። ስለዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ንትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ዝዀኑ ስደተኛታት ጥራይ ብምቕባል ነቶም ካልኦት ኣመልከትቲ ዑቕባ ይነጽጕዎም። እዚ ድማ፡ ምስቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክወዳደር ከሎ፡ ናይ 90 ሚእታዊ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን 60 ሚእታዊት ናይ ሱዳን ስደተኛታት ምቕባል ክወዳደር ከሎ፡ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።  

"ኣብዚ ናይ እስራኤል ምንጻግ መሰል ዑቕባ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ፡ እስራኤል ንኣሽሓት ካብቲ ሃገር ምውጻእ ንዝኣበዩ ስደተኛታት ክትኣስር ትህቅን ኣላ።" ክብል ጌሪ ሲምሶን፡ ኣብ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ጕዳይ ስደተኛታት ዳይረክተር ሓቢሩ። "ኣብ ክንዲ ምእሳር፡ እስራኤል ብፍትሓዊ ኣገባብ ነቶም ዑቕባ ዘድልዮም ስደተኛታት ክትቅበሎምን ከተዕቍቦምን ይግባእ" ይብል ንሱ።

ኣብ 1 ጥሪ 2018 ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ዝመሓደር ናይ እስራኤል ህዝባዊን፡ ኢሚግረሽንን በዓል ስልጣን ዶባትን (Population, Immigration and Borders Authority (PIBA)) ክሳብ መጋቢት 31፡ ወይ ናብ ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ምኻድ ምስዝኣብዩ፡ ንኣሽሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ንዘይተወሰነ እዋን ክኣስር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። ወላ እኳ ናይቲ ቀዳማይ ዙርያ ምስጓጕ ንደቂ ተባዕትዮ ዝምልከት ምዃኑ እንተተገልጸ፡ ድሒሩ ግና ወላ ንደቀንስትዮን ቆልዑት ከረኻኽበሎም ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።   

ብመሰረት PIBA፡ ክሳብ 2 መጋቢት 2017፡ ኣብ እስራኤል 27018 ኤርትራውያንን 7731 ሱዳናውያንን ይነሩ ኔሮም። ካብ 2013 ጀሚሩ ክሳብ 2 መጋቢት 2017፡ 14000 ስደተኛታት በቲ መንግስቲ ብዝገብሮ ጸቕጢን ማእሰርትን ሓዊስካ፡ ካብ እስራኤል ከምዝወጹ ሓቢሩ። እዚ ናይ ዘይተወሰነ እዋን ማእሰርቲ ዝፈጠሮ ባዕሉ እቲ ናይ እስራኤል ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልተ ግዜ ዘሕጋዊ ውሳኔ እዩ ብማለት ነጺጕዎ ኔሩ እዩ።   

እቲ ናይ ማእሰርቲ ፖሊሲ፡ ኣብቲ ኣብ 1952 ሕጊ ምእታው ናብ እስራኤል ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ንምስጓግ ዝተበየነሎም ሰባት ብሰሪ ምትሕብባር ምእባዮም፡ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ሕጊ እዩ።  

ክሳብ ሕጂ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ብወለንትኦም እስራኤል ሓዲጎም ዝመጹ ስደተኛታት ጥራይ እምበር ተገዲዶም ንዝመጹ ከምዘይተቐበላ እየን ዝሕብራ። ክልቲኤን ሃገራት ብሓይሊ ካብ እስራኤል ንዝስጐጕ ስደተኛታት ንክቕበላ ዝዀነ ስምምዕ ከምዘይለን እየን ዘፍልጣ። በዚ መሰረት ድማ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ነሓሰ፡ እስራኤል ነቶም ኤትራውያንን ሱዳናውያንን ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ንኸይስጐጉን ብፍቶቶም ስለዘይከዱን ንምእሳሮም ምኽንያት ክኸውን ከምዘይክእልን ዝብል ውሳኔ ሂቡ ኔሩ እዩ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ  ሲቪላውን ፖለቲካውን ኪዳን (International Covenant on Civil and Political Rights (ICCPR)) ሓንቲ ሃገር ንዝዀነ ሰብ ንምስጓጉ ዘድሊ ጭቡጥ መሰረት እንተዘይብላ ክትኣስሮ ትኽእል። እቲ ማእሰርቲ ድማ ነቲ ናይ እስራኤል ICCPRን ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር መግረፍቲ ዋዕላን ብዝጻረር መንገዲ ኢሰብኣውን ኣዋዲን ኣተሓሕዛ ከጠቓልል ይኽእል። ናይ ማእሰርቲ መምርሒ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምዝሕብሮ፡ ማእሰርቲ "ከም ናይ መጨረሻ ኣማራጺ" ኰይኑ ንሕጋውን ፍትሓውን ዕላማ ንምምላእ ዝፍጸም ኰይኑ፤ ንምስጓጕ ብማለት ሃገራት ከምድላየን ክኣስራ ግቡእ ኣይኰነን። ማእሰርቲ ንሓጺር ግዜን ክሳብ መንነት እሱር ዝጻረን ወይ ድማ ንነዊሕ እዋን እንተዀይኑ ንሓፈሻዊ ዕላማታት ከም ሃገራዊ ጸጥታን ህዝባዊ ጥዕናን ዝምልከት ጕዳይ ምስዝኸውን ጥራይ እዩ።

እቲ መንግስታዊ ውጥን ከምዝሕብሮ፡ ኩሎም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ከም "ሰሎኽቲ" ዝቝጸሩ ኮይኖም ካብታ ሃገር ወጺኦም "ናብ ሃገሮም ወይ . . .ሳልሳኣዊ ሃገር" ክሳብ መጋቢት ክኸዱ ኣለዎም። ነቶም ብወለንታ ክኸዱ ዝተሰማምዑ ድማ 3500 ካሕሳ ክወሃቦምን፡ ካብ መጋቢት ንደሓር ብወለንታ ዝወጹ እንተዀይኖም ድማ እቲ ካሕሳ ካብኡ ዝውሕድ ምዃኑ የረድእ።

ኣብቲ መዓልቲ እቲ ድማ እቶም ሰበስልጣን ጥውይ ኢሎም ካልእ ነቶም ክሳብ መጋቢት 31 ዘይወጹ ዝምልከት ሓድሽ መስርሕ ኣሕቲሞም። ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ወይ ዑቕባ ዘየመልከቱን ወይ ድሕሪ 2017 ዝተመዝገቡን ሰባት ድሕሪ ለካቲት 1 መንበሪ ፍቓዶም ከሓድሱ ምስዝመጹ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብ እስራኤል ንኽወጹ ከምዝንገሮም ይሕብር። ካብዚ መስርሕ እዚ ነጻ ዝዀኑ፡ እቶም ኣቦታት ቆልዑ ዝዀኑ ወይ ድማ ግዳያት መስገርቲ ሰብን ባርነትን ምዃኖም ዝተኣምነሎምን ሰባት ጥራይ እዮም።  

እቲ መስርሕ ከምዝሕብሮ፡ እቲ "ብወለንታ ክኸይድ ዘይሰማማዕ" "ሰላዂ" "ብሓይሊ ናይ ምስጓጕ መስርሕ ከጋጥሞ ምዃኑ" እዩ። እዚ ናይ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን "ሰሎኽቲ" ምስጓጕ መስርሕ ነቶም ቅድሚ ጥሪ 2018 ዑቕባ ዝሓተቱን ጕዳዮም ተንጠልጢሉ ዘሎን ከምዘጠቓልል እውን ይዛረቡ እዮም። 

ኣብ መጋቢት 2014፡ ናይ እስራኤል ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ሃገራዊ ፍርዳዊ ቤት ጽሕፈት ከምዝሓበሮ፡ እስራኤል "ምስ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምስግጋር ስምምዕ" ጀሚራ ምህላዋ ጠቒሱ ኔሩ እዩ። እንተዀነ እቶም ሰበስልጣን ኣየኖት ሃገራት ምዃነን ኣይገለጹን፡ ነቲ ስምምዕ እውን ኣየሕተምዎን።

ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝዀነ ስምምዕ ከምዘይብለን ይሕብራ። እንተዀነ፡ ዘይመንግስታውያን ውድባትን ጋዜጠኛታትን ካብቶም 1500 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ 2014ን 2015ን ብወለንታ ዝተሰጕ ሓያሎ ረኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም፡ ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ከምዝተወስዱ ሓቢሮም። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምዝሕብሮ፡ ካብ ታሕሳስ 2013ን ሰነ 2017ን ጥራይ በዚ ፕሮግራም መሰረት "ኣስታት 4000" ሰባት ተሰጕጐም ኣለዉ።

ኣብ ሞንጐ 2006ን 2012ን 50000 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብመንገዲ ደሴት ሲና ኣቢሎም ናብ እስራኤል ኣትዮም። ኣብ 2012 እስራኤል እቲ ዶባት ዓጽያቶ። እስራኤላውያን ኦፊሰራት ከምዝሕብርዎ፡ ንኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክመልሱዎም ኣይከኣሉን ምኽንያቱ ኣብ ሃገሮም ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ስለዘሎ። ንሱዳናውያን እውን ናብ ሃገሮም ክመልስዎም ኣይከኣሉን ምኽንያቱ እስራኤል ምስ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ርከብ ስለዘይብላን እስራኤል በጺሑ ንዝተመልሰ ሰብ ኣብ ሱዳን ክሳብ 10 ዓመት ዘእስር ብምዃኑን እዩ።

ካብ 2013 ጀሚሮም ሰበስልጣን ኢሚግረሽን እስራኤል ንኹሉ ናይ ኤርትራውያንን ሱዳንን ናይ ዑቕባ ሕቶ ደው ኣቢሎሞ እዮም ጸንሖም። ካብ ሽዑ ክሳብ መፋርቕ 2017 12295 ሰባት ዑቕባ ሓቲቶም፤ ካብዚኣቶም 7437 ክሳብ ሰነ መልሲ ሕቶኦም ይጽበዩ ኔሮም። ዳርጋ እቶም ኵሎም ዝተረፉ ግና ሕቶኦም ተነጺጉ እዩ። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምዝሕብሮ፡ እዚ ውሑድ ቍጽሪ ምሕታት ዑቕባ ኣብ እስራኤል፡ ኣብቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ እምነት ብዘይምህላውን፡ እቶም እስራኤላውያን ሰበስልጣን ነቶም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ዑቕባ መሰላቶም ብግቡእ ስለዘይገልጹሎምን፡ ነቶም ምዝጉባት ድማ ካብቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ "ግዝያዊ መፋነዊ ፍቓድ" ዝተዋህቡ ሰባት ዝሓሸ መሰላት ከምዘለዎም ብዘይምርድኦምን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ሓደ እስራኤላዊ ፈራዲ ነቶም ሰበስልጣን ነቶም ስደተኛታት ናይ መስርሕ ዑቕባ ጸገማት ብግዴታ ክቕበሉ መታን፡ ከም "ዝተናውሐ ምጽባይን"፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብሃንደበት "ካብ ንቡር ወጻኢን ሃይሊን ታህዲድን" ብዝተሓወሶ መንገዲ ብምትግሮም ብተሪር ነቒፉ። እቲ ፈራዲ፡ "ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ተስፋ ዘይብሉ ትጽቢት የጋጥሞም፡ ምኽንያቱ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም መእተዊ ፍቓድ ዝረኽቡን፡ ወላ ካብዚኦም እውን ሕቶኦም ከቕርቡ ስለዘይፍቀዶምን" ክብል ገሊጹ። 

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምዝሕብሮ፡ እስራኤል ንሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብግቡእ ኣየካየዶን። እዚ ድማ ብንጹር እስራኤል ን10 ኤርትራውያንን ን1 ሱዳናውን ጥራይ እያ ካብ 2009 ጀሚራ ናይ ዑቕባ መሰል ሂባ። እስራኤላውያን ጠበቃታት ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሓበርዎ፡ 700 ደቂ ዳርፉር ዝዀኑ ሱዳናውያን ናይ ሰብኣውነት መሰል ተዋሂቡዎም። እዚ ድማ ካብቲ መስርሕ ዑቕባ ወጻኢ ብዝዀነ ኣገባብ ዝወሃብ መሰል እዩ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምዘስምረሉ፡ ሓደ ስደተኛ ዝበሃል ሰብ፡ ብናይ 1951 ዋዕላ ስደተኛታት መሰረት ዝጥለብ ዘማልአ እዩ። እዚ ድማ እታ ሃገር ነቲ "ዘሎ ኵነት ብምቕባል" ከምኡውን "እዚ፡ ብፍላይ እውን ኣብ ኢስራኤል፡ ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ ናይ ሕቶ መሰል ነዞም "ሰሎኽቲ" ሕቶ ዑቕባ ዘይምውሓስ ኣብቲ ድኽመት ናይ መስርሕ ዑቕባ እታ ሃገር ዝምልከት ስለዝዀነ"።

ብተወሳኺ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት "እቲ ምውሓስ ሕቶ ዑቕባ ናይቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ እስራኤል ዘድልዮም እዩ" ስለዚ ከኣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት "ኣብ ስደተኛነት ዝመሳሰል ኵነታት ከምዘለዉ ይኣምን"።

ሰበስልጣን እስራኤል፡ ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ብምትሕብባር ብህጹጽ እቶም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ንምንታይ መሰል ዑቕባ ከምዝተኸልከሉን እዚ እዋናዊ መስርሕ ፍትሓዊ ሕቶ ዑቕባኦም ከምዘተዓናቕፍን ምሉእ ብምሉእ ዳግመ ግምት ክገብርን ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ። እቶም ክሳብ ሕጂ ዑቕባ ዘይሓተቱን ሓቲቶም ዝተነጽጉን ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ሕቶኦም ከቅርቡን፡ ወይውን ሕቶ ዑቕባኦም ከምብሓድሽ ክረኣየሎምን ይሓትት።

"ኣተሓሕዛ እስራኤል ንሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝንቡዕ ምዃኑ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኣጀንስያ ኣረጋጊጹ ስለዘሎ፡ እስራኤላውያን ሰበስልጣን እዚ ሃረምረም ሓዲጎም፡ ብህጹጽ ነቲ ሕቶ ዑቕባ ናይዞም ስደተኛታት እዚኦም ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ኣለዎም" ይብል ሲምፕሶን።
 

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.