Skip to main content

ፈረንሳ፡ ፖሊስ ንስደተኛታት ኣብ ካሌ የጥቁዑ

መንግስቲ ድማ ነዚ ፍኑው ድኾነ ግፍዕታት ዕሽሽ ይብል

Police check identity documents after halting a distribution of food, water, and clothing in an industrial area of Calais shortly after midnight on June 30, 2017. © 2017 Mail on Sunday/Philip Ide
(ፓሪስ) - ፓሊስ ፈረንስ ኣብ ካሌ (Calais) ቀጻሊ ዝኾነ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባን ካልኦት ስደተኛታትን ከምዘካይድ ህዩማን ራይትስ ዎች (Human Rights Watch) ዝበሃል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ገሊጹ። ሰበስልጣን ፈረንሳ ድማ ነዚ ግህሰታት እዚ ጸማም እዝኒ ሂቦሞ ይርከቡ።

እቲ 40 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ "'ኣብ ገሃነም ከም ምንባር'፡ ፓሊስ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ዓበይትን ዝኾኑ ኣብ ካሌ ዝርከቡ ስደተኛታት ግፍዕታት ይፍጽሙ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዘመልከቶ፡ ናይ ካሌ ፓሊስ ብፍላይ ድማ እቶም ናይ ፈረንሳ ራዮት (Compagnies républicaines de securité, CRS) (ካምፔኝ ሪፐብሊካንስ ደሰክዩሪቲ - ሲራስ) ዝበሃሉ ሓይልታት ብቐጻሊ ደቂሶም ንዘለው ይኹኑ ብሰላም ምዓልታዊ መነባብርኦም ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ቆልዑትን ዓበይትን ዓይኒ ዝግስም በርበር ዝተሓወሶ ማይ ብምንጻግ የሳቕዩ። ብተወሳኺ እዞም ፓሊስ እዚኦም፡ ብቐጻሊ እቶም ስደተኛታት ነቲ ቦታ መሪርዎም ክኸዱ ምእንቲ፡ ኮበርታታቶምን መንጸፎምን ክዳውንቶምን ምህጋር ጥራይ ከይኣኽሎም ኣብ መግቦምን ማዮምን ከይተረፈ እቲ ናይ በርበረ ዝተሓወሶ ማይ ይነጽጉሎም። እዚ ተግባር እዚ ድማ ነቲ ኢሰብኣውን  ገፋዒ ተግባራትን ዝኽልክል መትከል ብመሰረቱ ጥሒስዎ ይርከብ ኣሎ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣሰራርሓ ፓሊስ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እሞ ሓይሊ ምጥቃም ብጥንቃቐን ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብን ጥራይ ክኽውን ከምዘለዎ ዝብልን ዝድርኽን ዓለምለኻዊ ልምዲ ይጥሕስ።

"ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ቆልዑት ይኹኑ ዓበይቲ ደቂሶም ከለው ይኹን መዓልታዊ ናብርኦም እንዳነበሩ ናይ በርበረ ዝተሓወሶ ማይ ምንጻግ ተግባር ክፍጽሙ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ"... ክብል ናይ ፈረንሳ ናይ ህዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር (Human Rights Watch's France Director Bénédicte Jeannerod) በነዲክት ጂነሮድ ትገልጽ። "ፖሊስ ኮበርታታትን ጫማታትን መግብን ናይ ስደተኛታት ክወስዱን ከበላሽውን ከለው፡ ብመሰረቱ ነቲ ናቶም ሞያ የከሻምሹ ጥራይ ዘይኮኑ ዘለውስ፡ ነቶም ስደተኛታት ብምህሳይ ነቲ ምሒሎም ዝኣተውዎ ሞያ እውን እዮም ዝጎድኡ ዘለው."

እቲ ጸብጻብ፡ ብሓምለ 2017 ምስ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ኣብ ካሌን (Calais) ከባቢ ካሌን ዱንክርክን (Dunkerque) ዝርከቡ ሓተቲ ዕቁባን ካልኦት ስደተኛታትን፡ ካብዚኣቶም ድማ 31 ዝኾኑ ኣላዪ ዘይብሎም ቆልዑ ዝርከቡዎም፡ ዝተገበረ ቃለመሕትት ዝተኣከበ ሓበሬታ ዘካተተ እዩ። ወኪል ህዩማን ራይትስ ዎች ምስ ኣብ ካሌ ዝርከብ ምክትል ኣምሓዳርን ናይ ፓሪስ ናይ ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓለፍትን ብዙሓት ጠበቓታትን ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሰራሕተኛታት ኣብ ካሌ ዝርከቡ ወለንተኛታትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን እውን ተራኺባ እያ።።

ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኣብ ጽርግያታት ካሌ ኣብ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ባራካታት ዝነብሩ ዘለው  መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ኣፍጋናውያንን ዝርከቡዎም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን እዮም። ካብዚኦም ከኣ ዳርጋ 200 ዝኾኑ ኣላዪ ዘይብሎም ቆልዑ እዮም። ዳርጋ 300 ዝኾኑ ቆልዑን ዓበይትን ኩርዳውያን ዒራቓውያንን ኣፍጋናውያንን ካልኦት ዜጋታትን ድማ ኣብ ዱንከርከንን ከባቢኣን ከምኡ' ውን ኣብ ግራንድ ሴይንት (Grande-Synthe) ካብ ካሌ ንምብራቕ ኣብ ዝርከባ ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ይነብሩ ኣለው።

እቲ ናይ ካሌ ምክትል ኣምሓዳሪ፡ ነቲ ናይ ፖሊስ ግህሰት ብዝምልከት፡ ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺጉን ነዚ ድማ ጸለመ እዩ ብምባል ይገልጾ፡ ህዩማን ራይትስ ዎች ግን፡ ካብ ነፍስ ወከፍ ሓታቲ ዑቕባን ስደተኛን ዝኣከቦ ተመሳሳልን ጥልቕ ዝበለ ምስክርነትን ቃለመሕትትን መሰረት ዝገበረ ውጽኢት እዩ ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ደሪኽዎ።

ብተወሳኺ፡ ህዩማን ራይትስ ዋች ካብዘረጋገጾ፡ እቶም ሓተቲ ዕቁባን ስደተኛታትን ብብዝሒ ቁጽሪ ናብ ካሌ ምስተመለሱ፡ እቶም ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ዝወሰዱዎ ግብረ መልሲ ናይ ምግብን ማይን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ምኽልካል እዩ። ብዕለት ሓደ መጋቢት፡ ቤት ፍርዲ: እቶም ሰበስልጣናት ነቶም ናይ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝገበሩ ማሕበራት ብምኽልካል፡ ኢሰብኣውን ሕስረትን ዝመልኦ ተግባር ከምዝፈጸሙ ኣረጋጊጹ። እቲ ናይ  ፈረንሳ ኦምብዱስማን (ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት) እውን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰሉን ካልኦትን ብናይ'ቲ ከባቢ ሰበስልጣናት ዝውሰዱ ዘለው  ስጉምትታት ነቒፍ። ንሶም ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ካሌ ዝፍጽምዎ ዘለው ተግባራት "ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ወዲሰብ" እዩ ብምባል ወቂስዎም።

ኣብቲ ናይ ካልኣይ፡ ናይ ዕለት 26 ሰነ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ፡ ንሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ፡ ነቶም ሓተቲ ዕቑባን ስደተኛታትን ዝስተ ማይን፡ ዓይኒ-ምድሪን ካልኦት ናይ ነብሲን ክዳውንትን መሕጸቢ ቀረባት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ከማልኡሎም ወሲኑ እዩ። እቶም ሰበስልጣናት፡ ነዚ ውሳነ እዚ ይግባይ ብምባል ጥርዓኖም ብዕለት 6 ሓምለ ኣቕሪቦም ኣለው። እቲ ጥርዓኖም ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ንዕለት 28 ሓምለ ንክስማዕ ተወሲኑ ኣሎ።

After police halted an evening distribution of food and clothing, three officers stop and question a boy who had paused to change his shoes before returning to the wooded area where he and other migrants spend the night, May 2017.  © 2017 Help Refugees

ወዲ 17 ዓመት ዝኾነ ቢንያም ተ. ዝበሃል፡ ንህዩማን ራይትስ ዎች ብዝሃቦ ምስክርነት፡ "ደቂስና ከለና እንተሒዞምና ንዓና ነእቲ በርበረ ዝተሓወሶ ይነጽጉና፡ ንብረትና ድማ ኩሉ ይወስዱዎ። እዚ ድማ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምዓልቲ ዝፍጽምዎ ተግባራት እዩ። ሃንደበት መጺኦም ኮበርታና ይወስዱልና" ይብል።

ኣብ ሓደ እዋን ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝሓበሩዎ፡ ብረት ዝዓጠቑ ጉጀለ ከምዝኸበቡዎምን፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ፡ እቶም ራዮት ፖሊስ ነቶም ስደተኛታት ሓይሊ ተጠቂሞም ምስቶም ሰራሕተኛታት ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ንከይራኸቡ ከምዝኸልእዎምን ነቲ መግቢ' ውን ካብ ኢድ ሰራሕተኛታት ደፊኦም ናብ ምድሪ ከምዝደፍእዎን እዮ እቶም ናይ ረድኤት ሰራሕተኛታት ነዚ ተግባራት እዚ ክስእሉን ብቪድዮ ክቐድሑዎን ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ እቶም ፓሊስ ንቴሌፎኖም ንሓጺር እዋን ከምዝሃገሩሎምን፡ ነቲ ዝቀድሑዎ ነገራት ብዘይ ምሕታት ፍቓዶምን ብዘይሕጋዊ መንገዲን ከምዝደምሰሱሎምን ይሕብሩ።

ክሳብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2016፡ ኣብቲ ኣዝዩ ሕማቕን ግናይን ክፋል ናይታ ከተማ ክሳብ 10,000 ዝኣኽሉ ሓተቲ ዕቑባን ስደተኛታትን፡ ካብኦም ድማ ኣላዪ ዘይብሎም ቆልዑ ዝርከብዎም ይቕመጡ ነይሮም። እቶም ናይ ከተማ ካሌ ኣመሓደርቲ ድማ፡ ኣብቲ ጫፍ ናይታ ከተማ መዓስከር ስደተኛታት ደጊሙ ንከይህልው ብዝከኣሎም ክቃለሱ ምዃኖም ብቐጻሊ ዝዛረቡሉ እዩ።

እቶም ናይቲ ቦታ ሰበስልጣናት ነቲ ኣብ ካሌ መዓስከር ሓተቲ ዑቕባ ወይ ዕቑባ ክሕተተሉ ዝከኣል ቤት ጽሕፈት ንክግበር ዝጸንሕ ጻውዒት ብትሪ ተቓውሞኦም ክሰምዑ ጸኒሖም ኣለው። እቲ ዝህቡዎ ምኽንያት ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓስከር ምስራሕ ንኻልኦት ስደተኛታት ናብ ሰሜን ፈረንሳ ንኽመጹ የተባብዕ እዩ እዮም ዝብሉ። ብዕለት 23 ሰነ 2017፡ ኣብ ካሌ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝኾነ ጌራርድ ኮሎምብ ዝሃቦ መግለጺ' ውን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ዘቃልሕ እዩ ኔሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ፕረዚደንት ኣማኑኤል ማርኮን፡ ንስደተኛታት ብዝምልከት ሰብኣዊ ዝኾነ ኣቀራርባ ክህሉ ከምዘለዎ ቃል ኣትዩን ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት መስርሕ ምምሕያሽ ክግበረሉ ከምዘለው ኣሚቱን እዩ። ኣብ መጀመርያ ሓምለ ኣብ ትሪየስት ኢጣልያ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዋዕላ " ቅድም ካብ ሶርያ ዝመጹ ዝነበሩ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኔሮም፡  ኣብዚ እዋን ግን፡ ንሓርነቶም ዝቃለሱ ዘለው ህዝብታት ከም ካብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ይመጹ ከምዘለውን ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፈረንሳ ጽቡቕ ኣቐባብላ ክግበረሎም ብወገኖም እውን ነዚ ንምፍጻም ዝከኣል ቃልሲ ከምዘካይዱ" ገሊጹ።

ሰበስልጣናት እቲ ከባብን እቲ ሃገርን ነቶም ፓሊስ ነቲ ኣንጻር ምጥቃም ሓይሊ ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕጊ ክኽተሉ ከምዘለዎም ዝሕብርን ነቲ ኣንጻር ዝወሃብ ረዲኤት ዝገብርዎ ምትንዃል ከቋርጹዎን ብልሽውና ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ከኣ ኣድላዪ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምዝኾነ ዝሕብር መልእኽቲ ከመሓልፍ ህዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር። ብፍላይ ከኣ፡ ፓሊስ ምንጻግ ማይ በርበረ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ኣቋሪጾም፡ ነቲ ሕጋዊ ስጉምትታቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ከተግብሩ ከምዝግብኦም ትእዛዝ ክወሃቦም ይግባእ ይብል። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ዝምልከት መሰናኽላት ደው ከብሎ ይግባእ። እዚ ድማ ኣብ ካሌ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ብምኽፋት ወይ ድማ ነተን ዘለዋ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ዕቑባ መሕተቲ ቕጥዕታት ናይቶም ሓተቲ ዕቁባ ብምቅልጣፍ ክርእዮ ይግባእ።

Asylum seekers and other migrants in Calais stand in line at a late-night distribution of food, blankets, and clothing, March 2017.  © 2017 Private

እቲ ሚኒስትሪ ምስ ቅኑዓት ኤጀንሲታትን ሰብኣውያን ጉጅለታትን ብምስራሕ ነቶም ስደተኛታት ዘድሊ ጠለባቶም ከቕርብ ብህጹጽ ይሓትት። ነቶም ዘይተመዝገቡን መዕቆቢ ዘይብሎምን ኣብ ካሌ ዘለው ስደተኛታት ድማ ናይ ህጹጽ ረድኤት ቀረባት ከዳሉ ይሓትት።

ሰበስልጣናት ናይቲ ከባብን ናይቲ ሃገርን እውን ነቶም ኣላዩ ዘይብሎም ቆልዑ፡ ግቡእን ብቑዕን ናይ ቆልዑት መዕቆብን ናይ ኣገልግሎት መስርሕ ክገብሩሎምን እኹልን ዝተማልእ ኣባይቲን ኣለይትን ክህብዎምን ይሕተቱ።

"ሰበስልጣናት ነቶም ፖሊስ ምግፋዕን ግህሰትን ቅቡል ከምይዘይኮነ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ ከመሓላልፍሎም ይግባእ" ትብል ጅይንሮድ።

"እቲ መንግስቲ ስደተኛታት መሰሎም ዝተሓለወ ከምዝኾነን ናይ ዕቑባ ሕቶ ከቅርቡ ከምዝኽእሉ ውሕስነት ክወሃቦም ይግባእ."

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country