Skip to main content

ወግዓዊ መግለጺ፦ ሜላታት ዴንማርክ ኣብ ምዕጋት ስደተኛታት

ጥረ ገንዘብን ዋጋ ዜውጽእ ንብረት ካብ ስደተኛታት መንዚዕካ ንመኤንገዲኦም ዝኸዉን ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ንምውዓሉ ዴንማርክ ኣብ ቀረባ እዋን ዜሕለፈቶ ውሳኔኣ ብኡ ንብኡ ዝግብኦ ዓለማዊ ቁጥዔ ኣልዒሉ ኢዩ። እንተኾነ ግዳ ካልእ ብሰላሕታ ዜውጻኣቶ ንቑጽሪ ናብ ዴንማርክ ዜምርሑ ስደተኛታት ንምድራት ዝዓለመ ዓጋቲ ውዲታ፣ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኣድህቦ ከይሰሓበ ክኸይድ ጸኒሑ።  

ብርኡይ ናህሪ ቁጽሪ ሕቶታት ዑቕባ ካብ ኤርትራውያን ኣብ 2014 - ብገምጋም 250 ሕቶታት ዑቕባ ኣብ ወርሒ ብመንጽር ቅድሚኡ ኣብ ዝነበራ 6 ዓመታት ዝቐረቡ ድምር 235 ሕቶታት ዑቕባ ጥራይ  - ዝተሰናበዱ ዴንማርካውያን ሰብ መዚ ብተብ ተብ ነታ ጽልሙት ታሪኽ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጭቆናን ዘለዋ ኤርትራ በጺሖም። ኣብ ኣዝዩ ዝማህመነ መርትዖ ብምምርኳስ፣ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዴንማርክ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዜውጽኦ ጸብጻብ፣ ንሕቶታት ዑቕባ ዝምርምሩ ሰብ መዚ፣ ንመኸተምታ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ፍቓድ ነታ ሃገር ሓዲግካ ብምውጻእካ ንዝስዕብ መቕጻዕቲን ዝምልከት ፖሊሲ (መምርሒ) ኤርትራ “ብገዛእ ርእሱ” ማዕረ ግፍዒ ወይ ስቅያት ይስራዕ ኢዩ ኢሎም ምውሳን ደው ኬብሉ መምርሒ ሂቡ።          

ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን (ህዩማን ራይትስ ዋች)፣ ከም ካልኦት፣ ዓገብ ኢሎም፣ ክልተ ካብ’ቲ ነቲ ጸብጻብ ዜዳለዉ መርመርቲ ድማ ሓለፍቶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መደምደምታ ንኽበጽሑ ዕላማ ከምዝነበሮም ገሊጾም። ሓደ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ስሙ ዝተረቑሔ መምህር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ካብ’ቲ ጸብጻብ ነብሱ ብምግላል ከም’ዚ ዝስዕብ ኢሉ፣ ሰብ መዚ ዴንማርክ “ብመሰረቱ ብዙሓት ጭብጢታት ጎስዮምን ነቲ መደምደምታኦም ዝሰማማዕ ጭብጢታት ጥራይ ኢዮም ሓርዮምን።”

ርኡይ ምግ’ምጣል ብዝመስል ኣገባብ፣ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዴንማርክ፣ ኣብ ፈለማ፣ ብዕለት 9 ታሕሳስ፣ 2014፣ መርመርቲ ሕቶታት ዑቕባ ዝኾኑ ሰብ መዚ ብሰንኪ ካብ ሰራዊት ኮብሊሎምን ወይ ድማ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኬይፍጽሙ ሃዲሞምን ካብ ሃገሮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምውጽኦም ስቅያት ኬይበጽሖም ንዝፈርሑ ኤርትራውያን ዑቕባ ምሃቦም ክቕጽሉ ኣለዎም ዝብል መግለጺ ብምሃብ ነቲ ኣብ ገዛእ ጸብጻቦም ዝተገልጸ ግንዛቤኦም ዝነጸጉዎ መሲሎም ተራእዩ። ግን ግዳ ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት ካልኣይ ምግ’ምጣል ብምግባር እቶም ሰበ ስልጣን ነቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ዳግማይ ብምሕታም ንኤርትራውያን ሙሉእ ዓንኬል ጠውዩ ናብ’ታ ዝነበርዋ ኩነታት መሊስዎም፣ ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ እቲ መምህር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝሃቦ ነቐፌታ ቆሪጾም ኣትሪፎሞ። እዚ መጋገዪ ጸብጻብ ድማ ከም ወግዓዊ መምርሒ ሰብ-መዚ መርመራ ሕቶታት ዑቕባ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።     

እሞ ድሕሪኡ’ኸ እንታይ ኮነ? ኣብ 2015፣ 170 ዝብዝሖም ኤርትራውያን ጥራይ ኣብ ዴንማርክ ዑቕባ ሓቲቶም፣ ካብ’ቲ ኣብ 2014 ዑቕባ ዝሓተቱ 2,275 ዝብዝሖም ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለ። ብሓፈሻ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዴንማርክ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ቁጽሪ ብ30 ሚእታዊት ዕቤት ኣርእዩ፣ ከምኡ’ውን ካብ ኣብ 2014 ኣብ 2015 ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝበጽሑ ኤርትራውያን ይበዝሑ፣ ስለ’ዚ እቲ ቁጽሪ ሕቶታት ዑቕባ ብኤርትራውያን ለጠቕ ምባሉ’ሲ ብሰንኪ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ምውራዱ’ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ኣይካኣልን ኢዩ።

እንተኾነ ግዳ ዴንማርክ ንዝቐረበላ ናይ 2014 ውንዙፍ ሕቶታት ዑቕባ ምስ መጻረየቶ (ረኣየቶ)፣ ካብ 2,960 ኤርትራውያን ንኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ 2,900 ዑቕባ ሂባ። ሰብ-መዚ መርመራ ሕቶታት ዑቕባ ነቲ ብሚኒስትሪኦም ዝተዋህበ ዓብዪ ጉድለት ዘለዎ ጸብጻብ ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ፣ ነቲ ብ9 ታሕሳስ 2014 ዝተዋህበ መግለጺ ብዝሳነ መንገዲ ድማ፣ ንሕቶታት ዑቕባ ብርትዒ ምምርማሮም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ዴንማርክ ዝተጠቕመትሎም ናይ መፈራርሒ ሜላታት ክሰርሑ ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ጉድለት ዘለዎን ኣርእስተ-ዜና ክኸዉን ዝኸኣለን ጸብጻብ ነዞም ሕጂ ዝርሕቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣጎናዲቡ ኢዩ። እንተኾነ ግዳ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰብ መዚ ነቲ ሕጊ የኽብርዎ ኣለዉ፣ ከም’ቲ ግቡእ ድማ ነቶም ዛጊት ብዙሓት ዝሃድሙሉ ዘለዉ ስቅያት ኣምሊጦም ዴንማርክ ዝበጽሑ ዘለዉ ውሑዳት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ይህቡ ኣለዉ።       

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country